ውድባት ዓረና ትግራይን ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይን ብጥምረት ንምቅላስ ወሲኖም

ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ትግራይ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ መቐለ ዘካየዶ ውድባዊ ዋዕላ ዛዚሙ ሎምዓልቲ መግለፂ ሂቡ'ሎ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ኣይተ ዓንዶም ገብረስላሰ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ውድቦም ምስቲ ካብ ሃገር ወፃኢ ፀኒሑ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓዲ ዝተመለሰ መሰረቱ ኣብ ትግራይ ገይሩ ክቃለስ ዝወሰነ ውድብ ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይ ብሓባር ንምቅላስ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘተን ዝርርብን ከምዘካየደ ገሊፆም።
"ፖለቲካዊ መማረፅታትናን ፖሊሲታትናን ክንቀያየር እሞ ዘለዉና ኣፈላላይን ሓድነትን ኣነፂርና ኣብ ዝፈላልዩና ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ኣካይድና ናብ ሓደ ንመፅአሉን ከም ሓደ ውድብ ንሰርሐሉን መንገዲ ንምፍጣር ተሰማሚዕና ኣለና" ኢሎም ኣይተ ዓምዶም።
"ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተሉ ኮሚቴታት እውን ኣጣይሽና ኣለና" ክብሉ ድማ ወሲኾም።
ውድብ ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣጽዮንን ዝርከብዎ እዩ።
ውድብ ዓረና ምስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ፃውዒት ቀሪብሉን ናብ ዓዲ ተመሊሱ ሰለማዊ ኣገባብ ቃልሲ ንኸካይድ ትፅቢት ዝግበረሉ ውድብ ዴምህት እውን ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ከምዝኾነ ኣቐዲሙ ገሊፁ'ሎ።
ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ እሱራት ንኽፍትሑን ፖለቲካዊ ምህዳር ክሰፍሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ኣብ ትግራይ ግና ዛጊድ "ፖለቲካዊ እሱራት" ዓረና ኣይተፈትሑን እንትብል ዘለዎ ቅርታ ገሊፁ እዩ።
ብተምሳሳሊ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣፈላላይ ይፍጠር'ሎ ዝብል ጭምጭምታ ሓሶት እዩ ዝበሉ ኣይተ ዓንዶም ኣባላትና ከም ህወሓት ምእኹልነት ከይቀየዶም ብውልቅኦም ብናፅነት ሓሳቦም ስለዝገልፁ እዩ ኣፈላላይ ዝተፈጥረ ዝመስል እምበር ዘጋጠመ ምግምማዕ የለን ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







