እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ሓደ ሚልዮን ኣመንቲ ምስልምና ቀቢላ ዊገር ብምእሳራ ስግኣቱ ገሊጹ
ቻይና ግበረ-ሽበራ ንምምካት ብዝብል ምስምስ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ቀቢላ ዊገር ዝኾኑ ኣመንቲ ምስልምና ብምእሳራ ስግእቱ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣሱራት ክፍትሑ ድሕሪ ምጥላብ እቲ ብዘይፍርዲ ዝግበር ምእሳር ድማ ደው ክብል ጠሊቡ።
ሓንቲ ካብ ኮሚቴታት ሕቡራት ሃገራት፡ ስጋብ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣመንቲ ምስልምና ዊገር ኣብ ሺንጂያንግ ኣብ ሓደ ናይ ተሃድሶ መደበር ተታሒዞም ከምዘለው ዝሕብር ሪፖርት ምስሰምዐ ኢዩ እቲ ውድብ ስግኣቱ ዝገለጸ።
እንተኾነ መንግስቲ ቤይጂንግ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ክኽሕዶ እንከሎ፡ ገለ ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ንተሃድሶ ተታሒዞም ከምዘለዉ ግና ተኣሚኑ።
መንግስቲ ቻይና ነቲ ኣብቲ ኣውራጃ ዝርአ ናዕቢ ንገለ ዕጡቓት ኣስላምን ናይ ምግንጻል ዕላማታት ዘለዎም ሚሊሽያን ይውንጅል።
ሓንቲ ኣብ ጉዳይ ዓሌታዊ ኣፈላልይ እትነጥፍ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ኣብዚ ወርሒ ረኺበዮ እትብሎ ርጡብ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ቻይና "ነታ ነጻ ምምሕዳር ዘለዋ ዊሂጋ ናብ ሓንቲ ናይ እሱራት ካምፕ ቀይርዋ" ኢላ።
መንግስቲ ቻይና ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ዊገር ኣይኣሰርኩን ክትብል ነቲ ኣንጻራ ዝቐንዐ ጠቐነ ክሒዳ።
ሕቡራት ሃገራት`ከ እንታይ ይብል?
ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ [30 ነሓሰ] ኩሉ ትዕዝብትታት ዝሓዘ መብርሂ ሂቡ። ነቲ መንግስቲ ቻይና ዝሃቦ ዘይንጹር መግለጺ ብዛዕባ ግብረ-ሽበራ፡ ጥሩፍነትን ምንጻልን ድማ ነቒፉ።
እታ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ቻይና፡
- ብዘይፍርድን ሕጋዊ መንገድን ምእሳር ደው ከትብል
- እቶም ዝተኣስሩ ብቕልጡፍ ክትፈትሕ
- ቁጽሪ እሱራት ከተፍልጥ
- ጸግዒ ዘይወሰደ ብዛዕባ ኣሎ ዝብሃል ዓሌታዊ፡ ቀቢላውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ጸብጻብ ከትቕርብ ጸዊዑ።
ብምንታይ ኢያ ቻይና ተኸሲሳ ዘላ?
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችንን ዝርከብዎም ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ጉጅለታት፡ ንሕቡራት ሃገራት ኣብዘቕረብዎ ብጭብጢ ዝተሰነየ ሰነድ፡ ኣብ ቻይና ኣልማማ ምእሳርን ነቶም ኣብቲ ካምፕ ተዳጒኖም ዘለው እሱራት ድማ ተኣማንነቶም ንፕሬዚደንት ቻይና ጂን ፒንግ ኪገልጹ ከምዘገድድዎም ገሊጾም።
ዓለማዊ ባይቶ ዊገር ዝተባህለ ውድብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቶም ኣሱራት ብዘይፍርዲ ንነዊሕ እዋን ከምዝተኣስሩን ብሓይሊ ድማ ጭርሖታት ሰልፊ ኮምኒስት ቻይና ክጭርሑ ከምዘገድድዎም ገሊጹ።
ብስርዓት ከምዘይምገቡን ብቐጻሊ ከምዝቕጥቀጡን'ዉን እቲ ውድብ ሓቢሩ።
እዚ ጸብጻባት፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ቻይና ሃይማኖታዊ ውጥረት ነጊስሉ ኣብዘሎ እዋን ኢዩ ዝቃላሕ ዘሎ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኒግሺያ፡ ኣማኢት ኣመንቲ ምስልምና መስጊዶም ካብ ምፍራስ ንምክልኻል ምስ ሰበስልጣናት እቲ ዞባ ተፋጢጦም ኢዮም።
ዊገር እንታዎት ኢዮም?
ዊገር ኣብ ኣውራጃ ሺያንጂያንግ ዝርከቡ ቀቢላ ኣመንቲ ምስልምና ኢዮም። ኣብቲ ኣውራጃ ድማ ብዝሖም ስጋብ 45 ሚእታዊት ይበጽሕ።
ሺያንጂንግ ልክዕ ከም ቲቤት ናታ ናጻ ዝኾነ ምምሕዳር ዘለዋ ኣውራጃ ቻይና ኢያ።
ምእሳር ናይ ደቂ ዊገር ኣብ ሺያንጂያንግ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክዝረበሉ ጸኒሑ።