እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ኣብ ውሽጢ ብኣዴን ዘርኣውያን ኣለዉ
ቢቢሲ፡ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ዝተኣገድኩምሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ንሕና እቲ ዝርዝር ኣይፈልጥናዮን፤ ኣብቲ ኣኼባ 'ውን ስለዘይነበርና። ነቲ ሰበር ዜና ኣብ ገዛና ኮፍ ኢልና እናሃለና ኢና ሰሚዕናዮ፤ ከምቲ ካልእ ህዝቢ። እንታይ ከምዝተልዓለ፡ እንታይ ኢሎም ከምዝኣገዱና ኣይፈለጥናን።
ካልእ [እቲ ጉባኤ] ሓደ ወርሒ እንድዩ ይተርፎ ዘሎ፡ ዘህፅፅ ነገር 'ውን ኣይነበሮምን። ብሓቂ ጌጋ ኣሎ'ሞ ክንእርም እንተተባሂሉ፡ ድሕሪ ወርሒ 'ውን መርከብሉ ነይሮም።
ኣብቲ መግለፂ ግን ክልተ ነገራት ቀሪበን ኣለዋ። ሓደ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ከምዘይውክሉ ኣረጋጊፅና ኣለና ዝብል ኣሎ። ካልእ ድማ ኣብ ውሽጢ ጥረት ብዙሕ ፀገማት ኣሎ ዝብል እውን ኣሎ።
ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ዘይነረጋግፀሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ዝብል ነገር መብርሂ ዝህብ የለን። አብ ውሽጢ ጥረት ተፈጢሩ ዝተብሃለ ፀገማት እውን እንታይ ምዃኑ ዝተገለፀ ነገር የለን። ድፉን ስለዝኾነ፡ እዚ እዩ ኢልካ ምውሳድ ኣፀጋሚ እዩ።
እንተኾነ ግን፡ ምስቲ ቅድም ኢልና ንፈልጦ ነገራት ኣተሓሒዝካ፡ ነቲ ነባር [ኣባል] ዘይምድላይ ኣሎ። ኣብቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘለና ነባራት ተጋደልቲ ክልቴና ኢና ነይርና፡ ንኽልቴና ድማ ኣጊዶምና ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ ምስቶም ሕዚ ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉ ኣባላት፡ ኣብ መንጎኹም ቅድሚ ሕዚ ምግምማዕ፡ ወይ ድማ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ነይርኩም ድዩ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ክንድቲ ዓብይ ዝኾነ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ከይዲ፡ ብዙሕ እናተቓለስና ኢና ንኸይድ ነይርና። ንሕና ዘይንቕበሎም ኣረኣእያታት ኣለዉ። ዘርኣዊ ዝኾኑ ኣረኣእያታት ንርኢ ኢና። ከምዝያት ስለእንርኢ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እናተቓለስና መፂና ኢና።
ንሕና እንኽተሎም መትከላት፡ ገለገሊኦም ዘይጠዓሞም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ከምቲ ኣብቲ መግለፂ ዝተርኣየ፡ ኣብ ካልኦት 'ውን ስጉምቲ ወሲድና ኢሎም ኣለዉ። ኣብ በዓል መን ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣይፈለጥናን። ሃሳቡ ብናፅነት ዘቕርብ ሰብ ዘይፍተወሉ ሃዋህው እናተፈጠረ ስለዝነበረ፡ በዚ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ምርዳእ ይከኣል።
ቢቢሲ፡ እዚ ክፍጠር ከምዝኽእል ጥርጣረ ነይርኩም ዶ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ጥርጣረ ኣይነበረናን። ሕዚ ግን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከም ድሌትና ኣይንንቀሳቐስን ዘለና። ስለዚ፡ ናብ ኣኼባ 'ውን ኣይከድናን። እቲ ጉባኤ ክካየድ ከሎ፡ ሽዑ ሓላፍነትና ኣረኪብና፡ ኣብ ጉባኤ 'ውን ኣይንምረፅን፡ ብኡ መሰረት ኩሉ ነገር ክውዳእ እዩ ዝብል ኣረኣእያ እዩ ነይሩኒ።
ቢቢሲ፡ ብሱሩ ግን ብፍላይ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ናይ ሓሳብ ሓድነት ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ ዶ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ እቲ ሕዚ መፂኡ ዘሎ ለውጢ፡ ዳርጋ ኩሉ ተሰማሚዕሉ ብሓባር ዝመፀ ለውጢ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዴሞክራስያዊ ሃዋህው ናይ ምስፋሕ፡ እሱራት ምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝግበር ሰላም፡ እዚታት ኩሉ ናይ ሓባር ኣረኣእያ እዩ። ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማታት፡ ኣፈላላይ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ ኢህወዴግ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ዝህሊ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ኣብ ውሽጢ እናተቓለስካ፡ ብሓባር እትጓዓዘሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ሕዚ ንሕና ብቐረባ የለናን፡ ኣነ'ውን ብፍላይ ስለዘይነበርኩ፡ እንታይ ለውጢ ኣሎ ዝብል ብዙሕ ክብል ኣይደልን።
ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕዚ ዝገበርዎ ቃልሲ ብኸመይ ይርእዎ? ነቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክርኢ ከለዉ፡ ይናስሖም ዶ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝገበርክዎ ቃልሲ፡ ይኾርዓሉ 'ምበር ዘናስሓኒ ነገር የለን። ኣብዚ ምብፃሕና 'ውን፡ ሕጉስ እየ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ኮነ ኣብ ደገ፡ ናይ ትግራይ ልዕልና ኣሎ ይብሃል። ብኸመይ ይርእዎ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ እዚ በብግዚኡ ዝተቓለስናዮ ነገር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሽድሽተ ኣዋርሕ እውን ኣብ ዝገበርናዮም ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ብምሉእ ድምፂ እዩ 'ልዕልና ትግራይ የለን' ዝብል ቅዋም ሒዙ። ሓደ ክልተ ሰባት፡ ናይ ትግራይ ልዕልነት የለን፡ ናይ ህወሓት ልዕልነት ግን ኣሎ፡ ዝብል ቅዋም ዝነበሮም ነይሮም እምበር፡ እቲ ኻልእ ግን ብምልኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህወሓት ልዕልነት የለን ዝብል ቅዋም እዩ ሒዙ ከም ብኣዴን። እዚ ብሰነድ ዝተደገፈ እዩ። ኣብ ኢዶም ኣሎ እቲ ሰነድ።
ብሽም ትግራይን ህወሓትን ዝነግዱ ገለ ገለ ውልቀሰባት ኣለዉ፡ ናይዚኦም ገለ ፅልዋ ከምዝህሉ ዘቐመጥናዮ ነይሩ። ግን፡ ውድብ ከም ውድብ፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ዘለዎ፣ ንሱ ዝደለዮ ጥራሕ ዝግበር ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ 'ውን ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ረብሓ ኣይረኸበን ዝብል ኣቐሚጥናዮ ኢና።
ቢቢሲ፡ እቲ ብኣዴን ኣብ ዘመሓድሮ ክልል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ መጥቃዕቲ ደኣ ካበይ ዝብገስ እዩ?
ኣይተ ታደሰ ካሳ፡ እዚ 'ውን ንሕና ኣብ ዝነበርናሉ ኣኼባታት ማእከላይ ኮሚቴ ተላዒሉ፡ እዚ ዘርኣዊ እዩ ክውገድ ኣለዎ ዝብል እዩ ናይ ብኣዴን ቅዋም።
እቲ ዘርኣዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ግን፡ ኣብትን ኣብዝን ኣሎ እዩ። ዋላ ኣብቲ ውድብ ውሽጢ 'ውን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።