ወለንታዊ ርክብ ነበርቲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት፡ ኣብ መንጎ አሓት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደሽቲ ምዕባለታት ይረአዩ ኣለዉ። ናይ ሓው ክገብሩ፡ ሎሚ ሓው ንሓው ምርኻብ ጀሚሮም።

ኣብዚ ቕነ ብኸባቢ ግንባራት ራማ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተርአየ ተበግሶ፤ እቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ አበባን ኣስመራን ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም ናብ መሬት ዘውርድ ክያዶ ይመስል ዝብል ተስፋ ኣስኒቑ'ሎ።

ሎሚ፡ ብዙሓት ንጡፋት ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሶም እናገለፁ ይርከቡ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ዝወዓለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዯ)፡ ነዚ ሓቂ ዓብይ ምስክር እዩ። እቲ ርክባት ህዝቢ ንህዝቢ ብኸመይ ተጀሚሩ፡ መን እዩኸ ዘሳልጦ ዘሎ?

ከመይ ተጀሚሩ ?

ራማ ካብተን ንዶብ ቀረባ ዝኾናን፡ ብምኽንያት ምብታኽ ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተሃሰያን ከተማታት ትግራይን ኤርትራን ሓንቲ እያ።

ኣብርሃም መኮነን ብንግዲ ዝመሓደር ነባሪ ከተማ ራማ እዩ። እቲ ዕርቂ ካብ ዝጅመር ከም መንእሰይ፤ ብማሕበራዊ ሚድያ ብንቕሓት ክከታተሎን እቲ ርክብ ናብ ንቡር ተመሊሱ ክርኢ ይህንቀው ከምዝፀንሐ ይዛረብ።

"እቲ ዕርቀ ሰላም ምስተኣወጀ፡ ብፍላይ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ናይ ሰላም መልእኽቲን ድሌትን እናፀሓፍና ጎስጓስ እናገበርናን ፀኒሕና ኢና" ኢሉ ንቢቢሲ ትግርኛ።

እቲ እዋጃ ሰላም ስዒቡ፡ እቶም መናእሰይ ነበርቲ እታ ከተማ ምስቲ ጎረቤት ሓው ህዝቦም ዝራኸብሉ መገዲ ክሓስቡን ክዝትይሉን ከምዝፀንሑ ይዛረብ። ካብኡ ድማ ንወረዳ ኣፍሊጦም፤ ምንቅስቓስ ጀሚሮም።

"እቶም ወረዳ ነቲ ሓሳብ ከመዘይቃወሙዎ ምስገለፁልና፤ ካብ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ሓዊስና መናእሰይን ነጋዶን ሓደ ኮሚቴ ኣጠይሽና ምንቅስቓስ ጀሚርና" ይብል። ሰራሕተኛታት መንግስቲ 'ውን ከምዝነበሩሉ ገሊፁልና።

በዝሒ አባላት እቲ ኮሚቴ ካብ 50 ክሳብ 60 ከምዝኸውን ኣብርሃም ወሲኹ ይዛረብ። ካብ ራማ ዝተበገሰ ሓይሊ 50 ዝኸውን ኮይኑ ኣብ መገዲ ድማ ካልኦት ከባብታት ብፍላይ ካብ ፍራጨውን መረብን እናተሓዉስዎም ቁፅሮም እናወሰኸ 60 በፂሑ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ፍራጨው እናተብሃለት እትፅዋዕ ዝነበረት ኣብ እዋን እቲ ኲናት ፈሪሳ ከምብሓድሽ ዝተሃንፀትን ሐዚ መረብ እናተብሃለት ትፅዋዕ ቁሸት፤ ኣብ ወሰን ሩባ መረብ እትርከብ ከተማ በፂሖም።

ኣብ መገዲ እንታይ ኣጓነፎም?

ኣብርሃም ከምዝብሎ እቲ ኮሚቴ ናይቲ ወረዳ ፍቓድ ረኺቡ 'ምበር ኩሉ ነገር ካብ ባዕሉ ከምዝኾነ ይዛረብ።

"እቲ ሰብ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ስለዝኾነ፡ ብሞተር ሳይክላት፤ ብእግሩን ብባበጃጅን እዩ ኸይዱ። ኣብ መረብ ምስ በፃሕና ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ጠጠው ኣቢሉና። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። እቶም ዓበይቲ ዓዲ ምስኦም ርክብ ጀሚሮም ኣረዳዲኦምና።" ይብል።

"ድሕሪ ምርድዳእ ን20 ደቓይቕ ዝኸውን ጠጠው ምስበልና ናይ ሰላም ጉዕዞ ምዃኑ ምስ ተረድኡ፡ ክሳብ እታ ናይ ክልቲኡ መራኸቢ ቢንቶ ክንከይድ ተፈቒዱልና" ይብል።

ኣብርሃም ምዝንታዉ ይቕፅል፤ "ካብቲ ድልድል እንድሕር ዘይንሓልፍ ኮይና ካብዚ ኣይንቕፅልን ኢሎም ዝተወሰኑ ሰብ ሞተር ድማ ተመሊሶም። ንሕና ግና ወሲና ስለዝተልዓልና ቀፂልና ከይድና።"

እቲ ዝተረፈ ጉጅለ ጉዕዝኡ ንቕድሚት ቀፂሉ። እተን ሞተራት ቀቅድሚት ሰለስተ ባንዴራ እናምበልበላ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ድማ ደድሕሪት ጉዕዞኦም ቀፂሎም።

"ኣብቲ ድልድል ምስ በፃሕና ከንቅፅልዶ ክንምለስ ዝብል ሓሳብ መፅኡ ነይሩ። ኣብ መንጎኡ፡ ሓደ ወታደር መፂኡ፡ ሓሙሽተ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ማዕዶ ናዕኹም ይመስለኒ ይፅበዩ ኣለዉ'ሞ ኣዛርቡዎም ኢሉኒ" ይብል።

ካብኡ ክልተ ሰብ ልኢኾም ምርድዳእ ገይሮም።

ኣብ ክሳድ ዒቃ

"ንሕና ኣብቲ ቢንቶ ከፍ ኢልና ተፀቢና። እቶም ሓሙሽተ ሰባት ናይ ኤርትራ ሰራዊት አባላት እዮም ነይሮም። ምስቶም ዝተልኣኹ ድማ ምርድዳእ ተገይሩ" ይብል ኣብርሃም።

ኩነታቶም ተረዲኦም፡ ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝሃቡዎምን ተመሊሶም ነቶም ዝተረፉ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ሒዞም ከምዝኸዱን ይዛረብ። ክሳድ ዒቃ ኣብ ዝተብሃለት ዓዲ ድማ በፂሖም።

ካብታ ትግራይን ኤርትራን ትፈሊ ድልድል ክሳብ ክሳድ ዒቃ ብግምት 5 ኪሎ ሜትሮ ይኸውን።

"እቲ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ነገር" ይብል ኣብርሃም፤ "እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ን 20 ዓመት ዝኣክል ተዓፅዩ ስለዝፀንሐ ዱር እዩ ኾይኑ።"

እቲ ጉጅለ ሰላም ሰለስተ ባንዴራ ዝሓዘ ነይሩ። ባንዴራታት ኢትየጵያ፤ ትግራይን ኤርትራን ። ሓሙሽተ ሞተራት ድማ ንቕድሚት ኣመምሪሖም።

"ኣብ መገዶም ክላክስ እናገበሩን፤ ብዕልልታን ብደስታን መሬት ዕንፅራር ገይሮማ" ይብሉ መሰኻኽር ዓይኒ።

"ነዚ ዝረአዩ ከፍትን ጠለበጊዕን ዝሕልዩ ጓሶትን፤ ዓበይቲ ነበርቲ እቲ ከባቢን፡ ሓቚፎም፣ ተሓጒሶም እናሰዓሙ እዮም ተቐቢሎምና።"

"ኣብታ ክሳድ ዒቃ ክንኣቲ 100 ኪሎ ሜትር ምስተረፈና፡ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ሰራዊት ጠጠው ኣቢለም ሓንሳብ ተፀበዩ ኢሎምና" ይብል ኣብርሃም።

ሓለፍቶም አዘራሪቦም፡ 20 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን እቲ ኣዛዚኦም ባዕሉን አዘራሪቦሞም፡ ካበይ ከምዝመፁን ንምንታይ ከምዘፁን ሓቲቶሞም።

ብፍላይ እቶም ዓበይቲ ናብዚ ኣስጊሩ ዘምፀኦም ምኽንያት እንተረድኡ ከምዚ ኢሎም ይብል።

"ንሕና ካብ ራማን ከባቢኣን መፂና። እቲ ቐንዲ ዕላማና ናፈቖት ሓውና ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፤ ብመንግስቲ ሰላም ተባሂሉ ተኣዊጁ ኣሎ'ሞ ንሕና ካሊእ ጓና መፂኡ ክዓርቀናን ክሽንግለናን ኣይንደልን። ባዕልና ንባዕልና ሓደ ሃይማኖት፡ ሓደ ቋንቋ ሓደ ባህሊ ስለዝኾና ካሊእ ክኣትየና ኣይንደልን፡ ኢልና ባዕልና ኢና ተውፃፂእና መፂና" ኢሎም ብሓቦን ብሰምዒትን እናተልዓሉ ዝተዛረቡዎ ይዝክር።

"ምምፃእኹም ፅቡቕ እዩ ግን ቀዲምኩም ክትዛረቡና ነይርኩም" ኢሎምና ይብል'ሞ ምኽንያቶም ድማ ካሊእ ኣይኮነን።

ብፍላይ እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ብጣዕሚ ተሓጒሱ፤ "ቀዲምኩም ክትነግሩና ነይርኩም፤ እቲ ህዝቢ ከነተሓባብሮን ዝብላዕን ዝስተን ክነዳሉ ነይርና፤ ሃንደበት መፂኹምና፤ እቲ ሰላም ግን ኩላትና ኢና ንደልዮ፡ ኣብዚ ፅንሑ'ሞ ምስ ኣሓትኩም ክትራኸቡ ኢኹም " ከምዝበሎም እቶም ኣባለት እቲ ኮሚቴ ይዝክሩ።

"ካብኡ ኣብ ሓፂር እዋን፤ ካብ ክሳድ ዒቃ ናብቲ ዝነበርናዮ እቲ ህዝቢ ገሊኡ ዝብላዕ ምግቢ፡ ገሊኡ ዝስተ ስዋን ማይ ፤ ከበሮ ሒዙ እናዘለለ፡ ርሑስ ቆፅሊ ሒዙ እቲ ህዝቢ ግልብጥ ኢሎ መፂኡ" ይብል።

"በዓል ወዲ ሻምበል ዝበሃሉ አካል ጉድኣት ከይተረፉ፡ ሓደ ኢዱን ሓደ እግሩን ዝሰኣነ፡ ህፃውንቲ ቆልዑ፡ ዓበይቲ ኣንሽቲ፡ ሓረስቶት ከይተረፉ ሆ እናበሉ ዝብላዕ ዝስተ ሒዞም መፂኦም፡ ካብኡ ሰለስተ ባህሊ ትግርኛ ቀሪቡ ብሓጎሰን ዕልልታን ሳዕሲዕና" ይብል ኣብርሃም።

ወሲኹ ድማ፡ "ሓደ ኣብ ህይወተይ ዘይርሰዖ፤ ኣብ መገዲ እናሃለና እቶም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ድፋዕ እናወፁ ሰላምታ እናቕረቡልና፤ ኣጀኾም እናበሉና ነይሮም" ይብል።

ካብኡኸ

ካብኡ ኮፍ ኢሎም ሓፂር ኣኼባ ገይሮም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ተዛሪቦም። በቲ ዝተገብረ ሕጉሳት ምዃኖም፡ ብፍላይ ብዘይ ዝኾነ ኢድ ኣእታዊነት ባዕሎም መፂኦም ከምዚ ምግባሮም ብጣዕሚ ከምዘሐጎሶምን ክቕፅል ከምዘለዎን ተዛሪቦም፡ ይብሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሰላም።

ኣብርሃም ናብቲ ቦታ ምስ ከዱ ዝተዓዘቦ እንትዛረብ ከምዚ ይብል።

"እቲ ሰላም ተጋሩ ጥራሕ ኣይኮናን እንደልዮ። ኩሉ ሰብ እዩ ዝደልዮ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትና ኤርትራውያን'ውን፡ እቲ ህዝቢ ኾነ ዋላ እቲ ሰራዊት፡ ነቲ ሰላም ብጣዕሚ እዩ ደልዮ። እቲ ህዝቢ ነቲ ሰላም ካብ ዝኾነ እዩ ዝደልዩ።"

እዚ ምርድዳእ ምስተገብረ፡ እቲ ዝተጀመረ ጠጠው ከይብል በዚ ዋዒ ክቕፅል ከምዘለዎ ተስማሚዖም።

ኣቦይ ተወልደ ዝበሃሉ ኤርትራዊ፡ ኣብታ እዋን ሓደ ብዕራይ ተመፃቢዖም ይብል። ካብ ራማ እንትብገሱ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሓሙሽተ ብዕራይን ብዙሓት ኣጣልን ኣዋፂኦም ምንባሮም ይዛረብ።

ብወገን ትግራይ'ውን ቀንዲ መኽየዲና እዚ እዩ ነይሩ። መዓልቲ ቆሪፅካ ምምፃእ።

እቲ ዝገጠሞም ግና ካብኡ ዝዛየደ ኮይኑ ረኺቦሞ።

ኣብ መዋዳእታ፡ ሽማግለታት እንታይ ንግበር ኢሎም ዘትዮም፡ ንዕለት 24 መዓልቲ ተቖሪፁ፡ ክልቲኦም ኣሓት ህዝብታት ዝራኸብሉ ማእኸል ቦታ ተመሪፁ።

ነዚ ናይ ሰላም ተበግሶ ዝዕጅብ ሓደ ጉጅለ ሙዚቃ ካብ መቐለ ከምዝመፅእ፤ ኣጣልን ኣብጊዕን'ውን ተገዚአን ብኽልቲኡ' ወገን ሙሉእ ምድላው ከምዝተገበረ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ግንባር ዛላምበሳ'ኸ

ብተመሳሳሊ፡ ቁፅሮም ካብ 46 ዝዛይድ ካብ ዛላምበሳ ዝነቐሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፤ እቲ ን 20 ዓመት ዝተተኸለ ሓፁር ኣፍሪሶም ኣብ ሰገር ምስ ዝርከቡ ነበርቲ ኣሕዋት ህዝብታት ንምርኻብ ፃዕሪ ከምዝገበሩ ምርግጋፅ ክኢልና።

ምክትል ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ፈረደ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለዎም።

ካብ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝተኻተቱዎ ጉጅለ ከምዝኾነ ገሊፆሙልና።

"ኣብቲ ግንባር ዘሎ ኣዛዚ ሰራዎት እዩ ተቐቢሉዎም። ተቐቢሉ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ብሓደ መስዋእቲ ዝኸፈሉን፡ ብፍላይ ኣብ ሳሕል ሓቢሮም ዝተቐበሩን እዮም ኢሎም፤ እቲ ሰላምን ሕውነትን ኩላትና ንደልዮ እዩ ኢሎም ቆፀሮ ሒዞም መሊሶሞም" ኢሎምና።

ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅድስ ዮሃንስን ከምቀደሞም ብሓባር ከብዕልዎ ድማ እቶም ናይ ሰላም መዝሙር ሰኒቖም ዝመፁ ነበርቲ ፃውዒት ገይሮም ተመሊሶም።

ኣብ ከባቢ ኢሮብ 'ውን፡ ብፍላይ ኣብ ኩሉ ግንባር ዞባ ምብራቕ ምርኻብ ተጀሚሩ እዩ ኢሎምና።

ኣብ ሰማይ ዘንፀላለየ ሰላም

እቲ ዕርቀ ሰላም ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ፡ ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተጉዓዘሉ እዋን፡ ነበርቲ አስመራ ናብ አደባባይ ወፂኦም ሓጎሶም ገሊፆም።

ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣዲስ አባባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኢትዮጵያውያን ሓጎሶም ገሊፆም እዮም። እቲ ከይዲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድርን ናይቲ ግንባር ፈጣርን መስራትን ንዝኾነ ህወሓት ዘግለለ እዩ ብዝብል ካብ ክልቲኡ ወገን ነቐፌታ ክስማዕ ፀኒሑ እዩ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ሕዚ ድምፂ ኲናት ከይስማዕ ምእዋጆም ዝዝከር እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ትግራይ፡ ንሓው ህዝቢ ኤርትራ ብሃንወቀውታ ከምዝፅበዮ ኣብ አደባባይ ወፂኡ ባህጉ ገሊፁ።

ይኹን'ምበር እቲ ብሰማይ፡ መራሕቲ ዝጀመርዎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ብኽልቲኡ ገፅ፡ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ዓፋርን ህዝቢ ትግራይን በቲ ሓደ ገፅ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ በቲ ካሊእ ሸነኽ ዓይኒ ንዓይኒ ዝራኣየሉ መዓልቲ ሃንቀው ክብል ፀኒሑ።

ርክባት ህዝቢ ንህዝቢ ምድንጓዩ ድማ ኣብቲ ናይቲ ዕርቂ ሓቀኝነት ጥርጣረ ምፍጣሩ ኣይተረፈን። ብፍላይ ድማ ገለ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘነፃፀሩ መግለፂታት፡ ነቲ ጥርጣረ ክብደት ክወሃቦ ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሓት ህዝቢ መዓዝ እዩ እቲ ርክብ ዝጅመር፡ እቲ ዶብ'ከ መኣዝ እዩ ተኸፊቱስ ሕለፍ ተሓላላለፍ ዝኸውን ዝብል ካብ ክልቲኡ ገፅ ካብ ብዙሓት ሕቶ ክለዓል ፀኒሑ።

እዚ ኣብ ሰማይ ኣንፀላለዩ ዝነበረ በሪ ሰላም፡ ሎሚ እናተራህወ ይመስል።