ሰሜን ኮርያ ኣሲራቶ ንዝፀንሐት ጃፓናዊ በጻሒ ብምሕረት ክትለቅቕ'ያ

ሰሜን ኮርያ ኣሲራቶ ዝፀንሐት ጃፓናዊ በፃሒ ዓዲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክትብል ከምትፈትሖ ገሊፃ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ንቶሞዮኪ ሱግሞቶ ዝኣሰረት ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ እዚ በፃሒ ዓዲ ዝሃበቶ ቁሩብ ሓበሬታ እንተሃለወ እዚ ጥራሕ እዩ።

ሰሜን ኮርያ ዋላ እኳ ሕጊ ስለዝጠሓሰ እዩ እንተበለት፡ ንምንታይ ከምዝኣሰረቶ ግና ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምዝራብ ተቖጢባ ኣላ። መራኸብቲ ሓፋሽ ጃፓን ግና፡ ምናልባት ቶሞዮኪ፡ ወተሃደራዊ ናቑጣታት እናሰኣለ ስለዝነበረ ይኸውን ንማእሰርቲ ዝተቃልዐ ይብላ።

ናብ ሰሜን ኮርያ ዝኣትዉ በፃሕቲ ዓዲ፡ ኩሉ ግዘ ጥቡቕ ሓለዋ ክግበረሎም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

እዛ ሚስጢራዊት ሃገር ነዚ ጃፓናዊ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ቅድሚ ሕዚ ንካልኦት በፃሕቲ ዓዲ እውን ብምእሳር፡ ብምልካዊ ምኽንያት፡ ምስ ሃገራቶም ከም መላዘቢ መሳርሒን መሰማምዒን ክትጥቀመሎም ፀኒሓ እያ።

ኣሜሪካዊ ተምሃሪ ኦቶ ዋርሚበርን ሓደ፡ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ሰሪቖም ብዝብል ብሰሜን ኮርያ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።

ፒዮንጊያንግ፡ ድሕሪ ግዘ ነዚ ሰብ፡ ሰብኣውነት ብዝብል ዋላ እኳ እንተፈትሐቶ፡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ ግና ብፅኑዕ ሓሚሙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ህይወቱ ክሓልፍ ግድን ኮይኑ።

ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ጃፓናዊ ቶሞዮኪ ሱጉሞቶ ግና፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እታ ሃገር ኣብ ናፓ ብጉጅለ ክህውፁ ከለዉ ከምዝተኣሰረ እዩ ዝኣምን።

ናምፖ (ናንፖ)፡ መፍረይ መራኽብ ኩናትን ኣፅዋርን ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ጃፓንን ሰሜን ኮርያን ዋላ ሓደ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ የብለንን።

ሰሜን ኮርያ፡ ሚሳይል ንምውንጫፍ ብተደጋጋሚ ክሊ ኣየር ጃፓን ብምጥቃማ ብቶኪዮ ክትኩነን ፀኒሓ እያ።

ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይልን ምምዕባል ኒኩዩለርን ክትገድፎ ዋላ እኳ እንተሓተታ፡ ጃፓን ግና ዜጋታታ ብሰሜን ኮርያ ከምዝጭወዩ ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ እያ።

በዚ ድማ ጃፓን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝግበር መጭወይቲን ትንኮያ እንተዘይተቋሪፁ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶ ማዕቐብ ከምዘይተልዕልን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይትገብርን ትገልፅ።