ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ተጠርጣሪ ነታጒ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

መርማሪ ፖሊስ ኣብ መስቀል አደባባይ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ድጋፍ ኣብ ዝተፀወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈንጀረ ነታጒ፡ ዓይነት ኣብ መንበሪ ገዛ ተጠርጣሪ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

መርማሪ ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ተጠርጣሪ ነቲ ኣብ ሰነ 16 ሰላማዊ ሰልፊ ዝተወርወረ ነታጒ ዝመሳሰል ዓይነት ነታገዊ ከምዝረኸበ ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

ኣብ መጋባእያ፡ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ ሎሚ ቀሪቡ ብዛዕባ ሽድሽተ ተጠርጠርቲ እቲ ገበን ዛጊድ ዝረኸቦ መረዳእታ ዘረደአ መርማሪ ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ተጠርጠርቲ ተመሳሳሊ ነታጒ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መጋባእያ ናይ ተጠርጠርቲ በየነ ቡላናን አብዲሳ መገርሳን ጉዳይ ብቐዳምነት ቀሪቡ ካብ ምርመራ ዛጊድ ዝተረኽበ መረዳእታ ተሰሚዑ።

መርማሪ ፖሊስ፡ ብዙሕ ናይ ምርመራ ስራሕቲ ከምዘካየደ ብምግላጽ ውፅኢት ምርመራ ኤፍ ቢ ኣይን ካሊእን ንምርካብ ተወሳኺ 14 መዓልታት ክወሃቦ ሓቲቱ።

ናይ ኣብዲሳ መገርሳ ጠበቓ፡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ቀሊልን ሓበሬታ ኣቐቢልካን ዝብል ስለዝኾነ ዋሕስ ዘኸልክል ኣይኮን ብዝብል፡ ብዋሕስ ክወፅእ ክፍቀደሉ ሓቲቶም ተኸልኪሎም።

ተጠርጣሪ በየነ ቡላ ብወገኑ ኣብ ፍቼ ከምዝተትሓዘን፡ ዓሌቱ መሰረት ተገይሩ ኮነ ተባሂሉ ንምጥቃዕ ከምዝኾነን ንቤት ፍርዲ ዘረድአ እንትኸውን፡ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ሕጋዊ ትካል ምፅራፍ ኣይፍቀድን ብዝብል እቲ ቤት ፍርዲ ዘረበብኡ ጠጠው ኣቢሉዎ።

መርማሪ ፖሊስ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ዝርከብሉ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንምቕታል ተሓሲቡ ዝተገብረን ኣብ ልዕሊ 160 ሰባት ናይ አካል ጉድኣት ዘብፀሐን ስለዝኾነ ቤት ፍርዲ እዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ሓቲቱ።

ካልኦት ተጠርጠርቲ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ዋሕስ ምርካብ መሰሎም ክሕለወሎም ሕቶ ዘቕረቡ እንትኸውን፡ መርማሪ ፖሊስ ተወሳኺ መረዳእታ ንከቕርብ ካብ ቤት ፍርዲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።

ብምዃኑ ድማ፡ መርማሪ ፖሊስ፡ ካብ መንጎ እቶም ተጠርጠርቲ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣይተ ጌቱ ግርማ ነቲ ኣብ ሰልፊ ሰነ 16 ዝተፈንጀረ ነታጒ ዝመሳሰል ኣፅዋር ከምዝረኸበ ፀሪሑ ኣቕሪቡ።

ካልኦት ተጠርጠርቲ ብዝምልከት ድማ ፡ ቅድሚ እቲ ተጓንፎን ብድሕሪኡን ዝተለዋወጡዎ ሓበሬታ ኣለኒ ክብል ፖሊስ መከራኸሪ ኣቕሪቡ።

የማን ፀጋም ክትዕ ተኸሰስትን መርማሪ ፖሊስን ዘዳመፀ እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ወንጀል ዝተሓላለኸን ስፍሕ ዝበለ ግዜ ዝወስድን ብምዃኑ መርማሪ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ፈቒዱ።

ከምኡ ድማ ምስዚ ገበን ተኣሳሲሩ ምርመራ ተጠርጣሪት ዝነበረት ናይ ኣእምሮ ፀገም ዘለዋን ኣብ ሆስፒታል ኣማኑኤል እትርከብን፡ ህይወት ገዳ ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ።