እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግምት ግጥማት ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘይተጸበየቶ ስዕረት ዝገጠማ ማንችስተር ዩናይትድ፡ ኣብዚ ሰሙን ብጽቡቅ ብቕዓት ንቶተንሃም ክትገጥም'ያ።
ኣርሰናል ኣብ ፈላሞት ክልተ ሰሙናት ብማንችስተር ሲቲን ቼልስን ካብ ዝበጽሓ ስዕረት፡ ብዝሓሸ ዓቕሚ ቐሪባ ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ምስ ዌስትሃም ክትገጥም'ያ።
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኡናይ ኤምሪ እዚ ክሰምረሉ'ዶ ይከዉን? ከምቲ ልሙድ ማርክ ላዉረንሰን ግምት ግጥማት ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ቐዳም
ዎልቭስ ምስ ማንቸስተር ሲቲ
ዕጫ ዎልቭስ ንምዉሳን ግዝኡ ገና'ኳ እንተኾነ፡ ከቢድ ናይ ዉድድር ዓመት ከምእተሕልፍ ግና ምግማት ኣየጸግምን።
ተኸላኻሊ መስመር እታ ጋንታ ብዙሕ ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዎልቭስ ምስ ሌስተር ሲቲ ኣብ ዝነበራ ጸወታ፡ ሸቶ እንተዘይኣቑጸረት'ዉን፡ ክልተ ሸቶታት ተቖጺሩዋ እቲ ጸወታ ተዛዚሙ።
ግምትላውሮ :ዎልቭስ 0 -3 ማንቸስተር ሲቲ
አርሰናል ምስ ዌስትሃም
ኣርሰናል ብሓድሽ ኣሰልጣኒኣ እናተመርሐት ኣብ ሰደቓ ብሉፃት ኣርባዕተ ንክትኣቱ ከቢድ ክኾና እዩ።
ተፃወትቲ እታ ጋንታ ብሓድሽ መልክዕ ክሳብ ዝለማመዱ፡ ዋላ እኳ ግዘ ዝወስደሎም እንተመሰለ፡ ምስ ዌስትሃም ዝህልዋ ፀዋታ ግና ኣይክኸብዳን።
መስመር ምክልኻል ዌስትሃም ዘዕግብ ብዘይምዃኑ፡ ኣርሰናል ክልተ ንዜሮ ክትዕወት እያ።
ግምትላውሮ: አርሰናል 2-0 ዌስትሃም
ቦርንማውዝ ምስ ኤቨርተን
ዘዘናግዕ ፀዋታ ዝፃወቱ ተፃወትቲ በርንማውዝ፡ ክሳብ ሕዚ ካብ ድሕሪት ተበጊሶም ኣብ ክልተ ፀዋታት ተዓወትቲ ኮይኖም እዮም።
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ማርኮ ሲልቫ ዝመርሓ ዘሎ ኤቨርተን ኣብዚ ሰሙን ዓወት ዝቐንዓ ኣይመስለንን።
ግምትላውሮ: ቦርንማውዝ 2-1 ኤቨርተን
ሃደርስፊልድ ምስ ካርዲፍ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ውድድር ንዘይምውራድ፡ ሓያል ፃዕሪ ዘካደት ሃደርስፊልድ፡ ኣብዚ ዓመት ግና ብከቢድ እትፍተን ትመስል።
ካርዲፍ እውን ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓደ ፀወታ ተዓዊታ ኣብ ካሊእ ድማ ብመዓረ ተፈላልያ እያ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ክልቲኤን ጋንታታት ናብቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣይኣተዋን ነይረን።
ግምትላውሮ: ሃደርስፊልድ 1-1 ካርዲፍ
ሳውዝሃምፕተን ምስ ሌስተር ሲቲ
ሌስተር ንዎልቭስ ክልተ ንዜሮ ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀዋታ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ዝተሰጎገ፡ ጄሚ ቫርዲ ኣብዚ ፀዋታ ኣይክስለፍን።
ኣጥቃዕቲ ኢስላም ሲሊማኒ፣ ሊዮናርዶ ኡሎዋን ኣሕመድ ሙሳን ኣብዚ ናይዚ ክረምቲ ዝውውር ነታ ጋንታ ምልቃቆም ስዒቡ፡ ውህደት ኣይረኣዮምን።
ግምትላውሮ: ሳውዝሃምፕተን 2-1 ሌስተር ሲቲ
ሊቨርፑል ምስ ብራይተን
ብራይተን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዘተኣናገደቶም ስዕረት ብምርሳዕ፡ ኣብዚ ግጥም ፅቡቕ ከምእትጻወት ላውሮ ይግምት።
ኣብ ኽፈቲ ጸወታ እቲ ሊግ፡ ምስ ዋትፎርድ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ዋላ ሓደ ሸቶ'ዉን ናብ መርበብ ክትቕልዕ ኣይከኣለትን።
ምስ ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ግና፡ ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ'ያ። ሊቨርፑል ግና ሕዚ'ዉን ጽቡቕ ኣላ።
ግምትላውሮ: ሊቨርፑል 3-0 ብራይተን
ሰንበት
ዋትፎርድ ምስ ክሪስታል ፓላስ
ዋትፎርድን ክሪስታል ፓላስን ክራኸባ እየን።
ዋትፎርድ ኣብ መጀመርታ ክልተ ፀዋታት ኣብ ልዕሊ በርንለይን ብራይተንን ዋላ እኳ ዓወት እንተመዝገበት፡ ብክሪስታል ፓላስ ዝገጥማ ፈተና ግና ከቢድ ክኸውን እዩ ይብል ላውሮ።
ግምትላውሮ: ዋትፎርድ 1-0 ክሪስታል ፓላስ
ፉልሃም ምስ በርንሌይ
ፉልሃምን በርንለይን፡ ካልእ ኣብ ዕለተ ሰምበት ዝካየድ ግጥም። ንመፃረይ ፀዋታ ሊግ ኣውሮጳ ዝፃወቱ ዘለዉ ተፃወትቲ በርንለይ፡ ኣብ ናይ ቀዳመ ሰናብቲ ፀወትኦም ፅዕንቶ ከይፈጠረሎም ኣይተርፍን።
ፉልሃም እውን ዛጊድ ዋላ እኳ ፅቡቕ ምንቅስቓስ እንተርኣየት፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራሕ እያ ኣቑፂራ ዘላ። ፉልሃም ድማ፡ ክሳብ ሕዚ ጽቡቕ ምንቅስቓስ እንተገበረት'ዉን ዘቑጸረቶ ሸቶ ግና ሓንቲ'ያ።
ግምት ላውሮ : ፉልሃም 1-1 በርንሌይ
ኒውካስል ምስ ቼልሲ
ኒውካስትል እንደገና ናብ ፕሪሚየርሊግ ካብ ትምለስ፡ ፅቡቕ ግዘ ተሕልፍ ዘላ ኣይትመስልን። ሓደ እወንታዊ ጎኒ እታ ጋንታ፡ ኣብ ሜድኣ ንመነሓንሕታ መፀገሚት ምዃና እዩ።
ቼልሲ እውን ብሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ማውሪዚዮ ሳሪ እናተመርሐት፡ ዛጊድ ነጥቢ ኣይደርበየትን።
ግምትላውሮ: ኒውካስል 1-1 ቼልሲ
ሰኑይ
ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም
ናብ ኦልትራፎርድ ተጓዒዛ እትገጥም፡ ቶተንሃም፡ ፅቡቕ ውፅኢት ኣይመዝገበትን።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀዋታት እውን ሓንቲ ሸቶ ካብ ምቑፃር ወፃኢ፡ ኣብ ኩሎም ግጥማት ተረቲዓ እያ።
ማንችስተር ዩናይትድ እውን ኣብ ዝሓለፈ ብብራይተን ዝበፅሓ ስዕረት ብምፅዋር፡ ንዓወት ክትቃለስ እያ።
ግምትላውሮ : ማንቸስተር ዩናይትድ 2-1 ቶተንሃም