16 ነርስታት ከመይ ብሓደ ነፍሰ ጹር ኮይነን?

ምንጪ ስእሊ, Banner Health
ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝሰርሓ 16 ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ተመሳሳሊ ዝወልዳሉ መዓልቲ ይጽበያ ኣለዋ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ባህሪ ስርሐን፣ ዝህልወን ናይ ስራሕ ፍቓድ ወይ ድማ ዝፈትወኦ በዓል ኣዛሚደን ዝጠንሳሉ እዋን ግዘ ሰሌዳ ምትሓዘን ልሙድ"ዩ።
ካብ ሓደ ቤት ጽሕፈት፡ ብፍላይ ድማ ሓደ ናይ ስራሕ ክፍሊ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለወን ነፍሰ ጹር ደቂ ኣንስትዮ ምርካበን ግና ቁሩብ ዘገርም'ዩ። እንታይ ሓሲበን? እዉን ከብል ይኽእል።
ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘጋጠመ ነገር፡ እዚ'ዩ።
ማዕረ ኸብደን ዝደፍአ 16 ነርስታት ተረኺበን። እዘን ነርስታት፡ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ክትትል ከቢድ ሕማም'የን።
"ተሓከምቲ፡ 10 ሚኢታዊት እንኸዉን ሰራሕተኛታት ነፍሰ ጹር ከምዝኾንና ምስ ርኣዩ፡ መጠን ወሊድ ዝለዓለ እናኾነ ምምጽኡ ገይሮም ዝተረድኡዎ ኣለዉ" ኡላ ሓንቲ ካብተን ነፍሰ ጹር ነርስታት።
እተን ነርስታት ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኸባ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ "ኣብ ዝሰተይኦ ማይ ሓደ ነገር ተሓዊሱዎ'ዩ፡ እንተዘይኾይኑ ግና በዓል ልደት ብሓባር ንምኽባር ኾነ ተባሂሉ ዝተሸርበ'ዩ" ዝብል ቅይዐ ዝተሓወሶ ርእይቶ ሂበን።
ክትወልድ ሓደ ወርሒ ዝተረፋ ሮቸል ሼርማን " ናይ ፌስ ቡክ ግሩፕ ክሳብ ንኸፍት፡ ኩልና ነፍሰ ጹር ከምዝኾንና እንፈልጥ ኣይመሰለንን" ኢላ።
"እዚ ኣጋጣሚ፡ ዝኾነ ሓቢርና ክነዐዉቶ እንደሊ ነገር ዘሎ ክመስል ገይሩ'ዩ" ኢላ።
እዘን ነፍሰ ጹር ነርስታት፡ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ መስከረምን መወዳእታ ወርሒ ጥርን ክወልዳ ትጽቢት ይግበር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







