ደቡብ ኮርያ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዘይተራኸባ ስድራቤታት ሎሚ ኣብ ኮርያ ተራኺበን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብርክት ዝበሉ ስድራ ቤታት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፡ ኣብ ዉሽጢ 65 ዓመታት ሎሚ ንፈለማ እዋን ተራኺቦም።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርኻብ 89 ደቡብ ኮርያውያን ምስቶም ኣብ ሰሜን ኮርያውያን ዝኾኑ ቤተሰቦም ንሓጺር ሰዓታት ክራኸቡ ተፈቒዱሎም። እዚ ግን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝገበር ዘሎ ናይ መጀመርያ ርክብ'ዩ።
ካብ 1950-1953 ዝተኻየደ ኵናት ኮርያ፡ ህዝቢ እዘን ሃገራት ኣብ ክልተ መቂሉ'ዩ።
ሎም መዓልቲ ምስ ሰሜን ኮርያዉያን ዝኾነ ቤተ ዘመድ ዝተራኸቡ ደቡብ ኮርያዉያን ብሎቶሪያ ዝተሓረዩ እንትኾኑ፡ ካብዚኦም ብዕድመ ዝዓበዩ ወዲ 101 በዓል ጸጋ ዕድመ ሽማግለ ነይሮም።
ጓል 86 ዓመት ቾ ሃይ ዶን ወዲ 75 ዓመት ሓዋ ቾ ጃይ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ምስ እትነብር ጓል 86 ዓመት ሓፍቶም ቾ ሱን ዶ ተራኺቦም።
"ክንደየናይ ጽብቕቲ ከምዝነበርኪ እዝክር" ክትብል ድማ ቾይ ሃይ- ዶ ንዓባይ ሓፍታ ተዛሪባ።
ኣብቲ ርክብ ብዓል መን ክሳተፉ ኢዮም?
ካብ ክልቲኡ ሃገራት ዝተመርጹ ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ናይ ስድራቤታት ርክብ ክካፈሉ ትጽቢታት ኣሎ።
ገለ ካብቶም ምስ ኣባላት ቤተሰቦም ክራኸቡ ተተስፍዮም ዝነበሩ ሰባት ኣብ መወዳእታት እቶም ክረኽብዎም ዝተሃንጠዩዎም ቤተሰቦም ብሂወት ከምዘየለው ምስፈለጡ ካብቲ መደብ ከምዝሰሓቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ መደብ ካብ ሰሜን ኮርያ 83 ካብ ደቡብ ኮርያ ድማ 89 ኣብቲ ናይ ቤተሰብ ምርኻብ መደብ ክካፈሉ ኢዮም።
ሓንቲ ጓል 92 ዓመት ኣደ፡ ድሕሪ`ቲ ናይ 50ታት ኲናት ንፈለማ እዋን ወዳ ክትርኢ ከምዝኾነት ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።
እዛ መዓልቲ ምርኻብ ቤተሰባት ክትመጽእ ጨሪሰ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ስጋብ ሕጂ ወደይ ብሂወት ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይፈልጥን እየ ክትብል ንኤኤፍፒ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢራ።
ስለምንታይ`ዩ እዚ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ?
እቲ ናይ ኮርያ ኲናት ሚልዮናት ስድራቤታት ኢዩ ፈላልዩ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ ስድራቤታት ምርኻብ ምናልባሽ ንገሊኦም ናይ መወዳእታ ኢዩ ክኸውን። ዳርጋ ኩሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ስለዝኾኑ።
ኣብ ዝሓለፈ 18 ዓመታት፡ ብፍላይ ኣብቲ ተዛማዲ ሰላም ዝነበረሉ ህሞት፡ ክልቲኤን ኮርያታት ከምዚ ናይ ሕጂ 20 ዝኸውን ናይ ስድራቤታት ምርኻብ መደባት ኣካይደን ነይረን።
እብቲ ሽዑ ዝተኻየደ ናይ የሕዋት፡ ወለዲ ምስ ደቆምን ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ እቲ ሃዋሁው ኣዝዩ ስምዒት ዝትንክፍ ኢዩ ነይሩ።
እዚ ናይ ቤተሰባት ርክብ ብኸመይ ኢዩ ክካየድ?
እቶም ደቂ ደቡብ ኮርያ በቲ ኣዝዩ ዝሕሎ ንኽልቲኤን ዶባት ዝፈላሊ ወተሃደራዊ ዞና ብኣውቶቡሳት ብምጉዓዝ ኣብ ጎቦ ኩምጋንግ ዝርከብ ናይ ቱሪስት መዕረፊ ቦታ ኢዩም ከዕርፉ።
ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ኢዮም ኣብ ሰሜን ኮርያ ክጸንሑ፡ ኣብቲ ሰሜን ኮርያ ዝጸንሕሉ እዋን ምስ ቤተሰቦም 11 ሰዓታት ጥራይ ኢዮም ከሕልፉ። ዝበዝሐ ምንቅስቓሳቶም ብርቱዕ ምቁጽጻር ክግበረሉ ኢዩ።
መብዛሕትኦም ነቶም በተዛማዲ ስኡናት ዝኾኑ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከቡ ቤተሰቦም ናይ ክዳውንቲ ኣፋውስን መግብን ህያባት ተማሊኦምሎም ኣለው።
ወዲ 76 ዓመት ሽማግለ፡ ሊ ሱ-ናም ንምዕባዩ ሓው ገለ ንሕማም ርእስን ካልእን ዝጠቅም ኣፋውስን መኣዛዊ ቪታሚናትን ከምዝተማልአሉ ንሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።
ምስቶም ተጓዓዝቲ ደቂ ደቡብ ኮርያ ብርክት ዝበሉ ዶክተራትን ነርስታትን ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብኸመይ ኢዩ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ቤተሰብ ርክባት ተወዲቡ?
እዚ ናይ ሕጂ መደብ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ታሪኻዊ ርክብ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት - ናይ ሰሜን ኮራይ ኪም ጆንግ-ኡንን ናይ ደቡብ ኮርያ ፕሬዚደንት ሞን ጀይ-ኢንንን - ብውድብ ቀይሕ መስቀል ኢዩ ተወዲብ።
ድሕሪ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብዝገበርዎ ካልኣይ ርክብ ኢዮም ስድራቤታት ክራኸቡ ዝተሰማምዑ።
ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙናት ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ ትጽቢታት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







