68 ነጋዶ ሰቲት ሑመራ፡ "ንብረትና ኣብ ደባርቕ ተኣጊዱ" እንትብሉ ጠሪዖም

ኣስታት 68 ነጋዶ ሰቲት ሑመራ 'ሸቐጥና ዝጸዓና መካይን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደባርቅ ተዓጊተናና' ክብሉ ጥርዓኖም የስምዑ ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ጥርዓኖም ዘቅረቡ ተቕማጢ ከተማ ሑሞራ ነጋዳይ ረዳኢ መሓሪ ናይ ብዙሓት ነጋዶ ንብረት ተራጊፉ ይውሰድ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣይተ ረዳኢ መሓሪ ትማሊ ንቢቢሲ ትግርኛ እንትገልፁ "ንሕና ኣብ ሑመራ ንነብር ሕጋውያን ከፈልቲ ግብሪ ነጋዶ ኢና። ኣቑሑት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓዲግና ብጎንደር፣ ባህርዳር ገይርና ብሳንጃ ዝበሃል ቦታ ናብ ሑመራ ነምፅእ። ኮይኑ ግና ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠን እንታይነቶም ብዘይንፈልጦምን ሰባት ንብረትና እናተትሓዘ ተፀጊምና" ይብሉ።

ክልተ መኪና ፅዕነት ሙሉእ ኣቑሑት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደባርቕ ተኣጊዱን ኣብ ጣብያ ፖሊስ ተራጊፉን ሰሚዖም ድማ ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ ይገልፁ።

እቲ ኣቑሑት ናይ ብዙሓት ነጋዶ ንብረት ከምዝኾነ ዝገልፅ ኣይተ ረዳኢ ኣብ ጥቕኡ ዘለዉ ነጋዶ ተመሳሳሊ በደል ዝበፀሖም ነጋዶ ኣስማቶም ይፀርሕ።

ንኣብነት፡ ኣማን ዕቑባሚካኤል፣ ፍስሃ ሃይለማርያም፣ ሓጎስ ገብረመድህን፣ ፍረወይኒ ማሙ፣ ከምኡ እውን ገብረህይወት ፍስሃን ካልኦትን ነጋዶ ኣቑሑቶም ከምዝተኣገዶም ይዛረብ።

እቲ ንብረት መጠኑ ውሑድ ኮይኑ ግን ድማ ክባር ምዃኑ ዝገልጽ ኣይተ ረዳኢ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሑመራን ማይ ካድራን ዝበፅሕ ዘሎ ገልታዕታዕ ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥ ድማ እቶም ነጋዶ ይዛረቡ።

"ንጠርዐሉ ስኢንና ናብ ኣማሓደርቲ ወረዳን ዞባን ከይድና ነይርና ከምዚ ግበሩ ዝብል ዝሃቡና መፍትሒ የለን። ክሳብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክንሕብር ኢና፡ እቲ ዝኸውን ነገር ድማ ብሓባር ክንሪኦ'ዮም ኢሎምና እምበር ዝሃቡና ተስፋ የለን" ብምባል ወሲኹ ተዛሪቡ ነጋዳይ ረዳኢ መሓሪ።

ኣባል ቦርድ ቤት ምኽሪ ነጋዶ ሰቲት ሑመራ ኣይተ የማነ ገብረክርስቶስ ብግዲኦም እቶም ነጋዶ ናብቲ ቤት ምኽሪ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ይገልፁ::

"ኣብ ደባርቕ ኣቑሑት ከምዝተትሓዘ ኣረጋጊፅና ኢና። ሳንጃ ኣብ ዝበሃል ቦታ እውን ሕሩጭ ፊኖ፣ በርበረ፣ እኽልን ጥራምረን ከምዝተራገፈን፡ ክሳብ ሕዚ ክህብዎም ከምዘይካኣሉን ስልኪ ደዊልና ኣረጋጊፅና ኢና" ኢሎም።

ፖሊስ ከተማ ደባርቕ ነቲ ኣቑሑት ፅዒኑ ክሰድድ እኳ እንተደለየ መንኣሰይ ኣይነሕልፍን ኢሎም ከምዝዓመፁ ተነጊሩና'ሎ እውን ይብሉ ኣይተ የማነ።

ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ ናብ ከተማ ደባርቕ ስልኪ ደዊሉ ንኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ንዋና ኢንስፔክተር ውቤ ተዘራ ሓቲቱ እዩ።

እቶም ኣዛዚ "እቶም ነጋዶ ዝፈፀምዎ ገበን የለን። እቶም መንኣሰይ ንምንታይ እዮም ዝኽልክሉ ዘለዉ ዝብል ንዛተየሉ ኣለና። ኮይኑ ግና፡ እቲ ንብረት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ስለዝሓዝናዮ ንብረቶም መፂኦም ክወስዱ ይኽእሉ እዮም" ኢሎም።ኣብተን መካይን ተፃዒኑ ዝነበረ ንብረት ከምዘይተራገፈ ብምግላፅ ዋላ ሓንቲ ኣቕሓ ኣይጠፈአት ክነረክቦም ኢና ክብሉ'ዉን ወሲኾም ገሊጾም።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብተመሳሳሊ ጣፍን ካልእ ሸቐጣመቐጥን ተፃዒኑ ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥም ምህላዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ እናተገለፀ ቐንዩ'ዩ።