ቀታሊ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ንምፍላጥ ክንደይ ግዘ ይወስድ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ኣካየዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ፡ ካብ ዝቕንፀል ክልተ ሰሙን ኮይንዎ።
ብሞት ኢንጂነር ስመኘው ኢትዮጵያውያን ዋላ እኳ እንተሓዘኑ፡ ጉዳይ ኣማውትኡ ግና ሕዚ እውን ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ኣሎ።
ዓሰርተ ሽድሽተ መዓልታት ብድንጋፀን ሓዘንን ሓሊፎም። ኢትዮጵያውያን ኣማውትኡ ስዒቡ ዝለዓሉ ሕቶታት እንከይተመለሱ፡ ግሁድ ሞቱ ኣሜን ኢሎም ሓመድ ኣዳም ካብ ዘልብስዎ ክልተ ሰሙን ተቖፂሩ።
ንምዃኑ ስድራቤት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ እንታይ ይብሉ?
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰለስተ ውሉድ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ምስ ወላዲት በዓልቲ ቤት ኢንጂነር ስመኘው በቀለን ቤተሰብን እዮም ዝርከቡ።
ንበዓልቲ ቤት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ንእሙን ጌታሁን ምንኣስ ሓዋ ኣካሉ ጌታሁንን ወላዲታ ወይዘሮ መንበረ መኮነንን ኣዘራሪብናዮም ኔርና።
ኣይተ እሙን ጌታሁን፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ቤተሰብ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ይመስገን። እቲ ስድራ ይብርትዕ እዩ ዘሎ" ክብል እቲ ቤተሰብ ዝርከበሉ ኩነታት ነጊሩና።
መንግስቲ ካብ ስነስርዓት ቀብሪ ጀሚሩ፡ ከምዝሓገዞም ድማ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, FBC
"ሓቂ ንምዝራብ ካብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጀሚሩ፡ መንግስቲ ሓጊዙና እዩ። ምንም ዘውፃእናዮ ወፃኢ የለን" ኢሉ።
ቦኽሪ ወዲ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ፡ ብእምነት ስመኘው እውን፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎ 4.65 ነጥቢ ከምዘምፅአን መንግስቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ትምህርቲ ንክጅምር ሚኒስትር ትምህርቲ ይተሓባበሮም ከምዘሎ ገሊፁ።
እነሓጎኦም ንደቂ ስመኘው ወይዘሮ መንበረ መኮነን ድማ፡ እቲ ስድራ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓዘን ከምዘሎን እቲ ስድራ ብባዕሉ ይናበር ከምዘሎ ሓቢረናና።
"ስመኘው፡ ንዓይ ወደይ እዩ። ጓለይ ስለዝወለድኽዋ ጓለይ ኮይና እምበር፡ ንሱ ቦኽሪ ወደይ ከምዝኾነ እየ ዝርእዮ። ኣብ ማእኸል ኣደባባይ እዩ ተቐቲሉ። መን እዩ ቀቲልዎ፣ ብምንታይ ምኽንያት እዩ ተቐቲሉ? ኣይንፈልጥን። ንሕና ፀላኢ ከምዘይብሉ ኢና ንፈልጥ። ንሱ ካብ ስራሕ ወፃኢ ምንም ዝፈልጦ ነገር የለን።
ዝረብሕ ምግቢ ኣይበልዐን፣ ቡን ዝሰትየሉ ግዘ እውን ኣይነበሮን። ኩሉ ሰብ ከም ዝፈትዎ ኢና ንፈልጥ ነይርና፡ ግና ኣብ ማእኸል መንገዲ ተቐቲሉ ተረኺቡ" ክብላ ናይቲ ሃንደበታዊ መቕተልቲ ኣጋጣሚ የዘንትዋ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንደቂ ስመኘው በቀለ ንምሕጋዝ ዝዓለመ፡ ሒሳብ ቁፅሪ ባንኪ ከምዝተኸፈተን ዕላዊ ከምዝግበርን ዝገልፅ ኣይተ ኣካሉ ጌታሁን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሞት ኢንጅነር ስመኘው ሓዚኑ ንስድራ ስመኘው፡ ብዝገበሮ ሓገዝን ምፅንዕናዕን ንኢዱ።
"ብሽም ቦኽሪ ወዱ፡ ብእምነት፣ ወላዲትናን፡ ካልኦት ክልተ ሞንጎኛ ኣካላትን ዝሓወሰ፡ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ብመንግስቲ ዕላዊ ክግበር እዩ።
ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን፡ ብጣዕሚ ኢና ነመስግን። ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፣ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ መፂኦም ሓጊዞምናን አፀናኒዖምናን እዮም። መንግስቲ እውን በዘለዎ፡ እናሓገዘና እዩ። ንቀፃሊ ከምዝሕግዘና እውን ቃል ኣትዩልና ኣሎ" ኢሉና።

ይኹን እምበር ኣማዉታን ቀታልን ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ክሳብ ሕዚ ዘይምፍላጡ፡ ንስድራ ኢንጂነር ስመኘው ዘሕረቐ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ንደቂ ስመኘው እናሓብሐባ ዝርከባ ወይዘሮ መንበረ፡ ነዚ ገበን ዝፈፀመ ኣካል ፍርዲ ክረክብ የተስፍዋ።
"ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣምላኽ፡ ንስመኘው ንዝቐተለ፡ እናቕለብለበ የምፅኣዮ። ስመኘው ንዓና ጥራሕ ኣይኮነን ጎዲሉና። ነዚ ዝፈፀመ፡ ንሃገር እውን እዩ ቀቲሉ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ነቢዑ እዩ። ኣምላኽ ሓቀኛ ፍርዲ ይሃብ። ንብዓት ኢትዮጵያውያን ከንቱ ኣይትረፍ። ናይ ደቁ ኣምላኽ ይፋረዶም" ይብላ እቲ ኣጋጣሚ እናስካሕክሐን።
ቀታሊ ኢንጂነር ስመኘው ክሳብ ሕዚ ንምንታይ ዘይፍለጥ? ፖሊስ ንምንታይ ዝበፅሖ መረዳእታ ዘይነግረና ዝብል ኣይተ ኣካሉ ጌታሁን ድማ፡ እቲ ስድራ ይፍጠር ብዘሎ ምጉታት ከምዝሓረቐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ስመኘው ካብ ዝቅተል፡ 15 መዓልቲ ኮይንዎ ኣሎ፡ ኩነታት ቀታሊ ኢንጂነር ስመኘው ግና ክሳብ ሕዚ ኣይተፈለጠን። ፖሊስ በቲ እንደልዮ ቅልጣፈ ኣይከደልናን ዘሎ። እንትንረኽቦም ንሰርሕ ኣለና እዮም ዝብሉና። ግና ክንድቲ ዘሕጉስ ነገር ኣይኮነን። ግልፂ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡናን። ስለኣማውትኡ ካብ ሆስፒታል ብዛዕባ ዝተውሃቦም መረዳእታ እውን ዝነገሩና ነገር የለን " ይብል።
ነዚ ዝተፈጠረ ሃንደበታዊ ሓዘን ስዒቡ፡ በዓልቲ ቤት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፡ ካብ ወፃኢ ሃገር ንምንታይ ዘይመፀት ዝብል ሕቶ እውን ይለዓልን ዝተፈላለዩ ግምታት እውን ይወሃብን ኣሎ። እቶም ስድራ ግና ነዚ እንትምልሱ፡
ወይዘሮ መንበረ መኮነን፡ "ሰብ ዝደለዮ ከውርይ ይኽእል እዩ። ከምዘፋትሑ ተፋቲሖም ይብሉ። ንሕና ግን ኣይንፈልጥን። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብፍቕሪ ይነብሩ ከምዝነበሩ እዮም። ይደዋወሉ፣ ይራኸቡ እዮም ነይሮም። ንሳ እውን ኣቦኦም ኣሎ ብምባል፡ ደቂ ገዲፋ እያ ዓዲ ሰብ ከይዳ። ከምትምለስ ሓሲባ እያ ከይዳ። እቲ ሓቂ ዝፈልጥ በዓል ጉዳይ ጥራሕ እዩ።
ንሕና ዝተጎዳእናዮ ከይኣክል፣ ገዛና ባዶ ዝኾነ ከይኣክል፡ እንደገና ሰብ ዘውርዮ ዘሎ ነገር በፅቢፁና እዩ ዘሎ" ብምባል ነቲ ብዝተፈላለዩ ሸነኻት ዝወሃብ ግምት ይኹንና።

ኣካሉ ጌታሁን እውን በዓልቲ ቤት ኢንጂነር ስመኘው እሙን ጌታሁን፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪን ድሕሪኡን ናብ ኢትዮጵያ ዘይመፀትሉ ምኽንያት እንትገልፅ፡
"ሓደ ሓደ ክተስተካኽሎም ዝግባኡ ነገራት ኣለዉ። ናብ ናይ ካልእ ሰብ ሃገር እንትትኸድ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ትምህርታን ዘለውዋ ካልኦት ነገራትን ክተስትኻኽል ስለዝግባእ፡ ንሕና እውን ነቶም ቆልዑት ኣብዚ ክንኣልዮም ኢና ስለዝበልና እያ ዘይመፅአት። እምበር ንሳ እማ ዘሎ ኩሉ ጠናጢና ክትመፅእ ኢላ ነይራ እያ። ምምፃኣ ድማ ኣይተርፍን" ኢሉና።
እቲ ብዕለት 26 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእከል መስቀል ኣደባባይ ዝተፈጸመ ሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ንብዙሓት ዘሕዘንን ዘቖጥዐን ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓሊፉ።
ንሱ ኣብ መኪናኡ ብጥይት ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበን ምስኡ ሓንቲ ሽጉጥ ከም ዝተረኽበትን ፓሊስ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ኣካያዲ ስራሕ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኮይኑ እናሰርሐ ምንባሩ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







