እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጅቡቲ ኣብ ድሬዳዋ ዝነበሩ ዜጋታታ ኣውፂኣ
ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ድሬደዋ ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ጅቡቲ "ንህይወትና የስግአና'ዩ" ዝበሉ ዜጋታቱ የዉጽእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ኢድሪስ ፋራሕ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ሃገሩ ብባቡር፣ ነፋሪትን መኪናን ከምዝተመለሱን፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ጅቡቲ ድማ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
"እዚኣቶም ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ሓያል ሙቐት ክሳብ ዝሓልፍ ክዛነዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ'ዮም" ኢሉ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንኣዋርሕ ዝፀንሑ ኮይኖም፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እዮም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ነይሮም።
"ይኹን ደኣ'ምበር ተፈጢሩ ብዘሎ ኩነታት ስግኣት ስለዝሓደሮም ቀልጢፎም ክወፁ ተገዲዶም ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዜጋታታ ጅቡቲ ከምእተዉጽእ'ውን እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ ገሊፁ።
ኣብ ሞንጎ ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያ ብዝተልዓለ ጎንፂ 10 ሰባት እንትሞቱ፡ ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ዜግነት ጅቡቲ ዘለዎምን ኣባላት ሓደ ስድራ ቤት ከምዝኾኑን ኣምባሳደር መሓመድ ኢድሪስ ፋራሕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብ ድሬዳዋ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘለዉ ጅቡቲያዉያን በዚ ጎንፂ ተደናጊጾም'ዮም። ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲአ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ እቲ ኩነታት ከምዝረጋጋእ እንተተዛረብና'ዉን ስለዝፈርሑ ናብ ጅቡቲ መሊስናዮም ኢና" ኢሉ እቲ ኣምባሳደር።