እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ጎንፂ ህይወት ሰብ ጠፊኡ
ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ፡ ብሰንኪ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንፂ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበፅሐ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።
ቢቢሲ ብስልኪ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኦሮሞን ሶማሌን እዩ ተፈጢሩ።
ዛጊድ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ካብቲ ምምሕዳር ብዕሊ ዝተገለፀ ቁፅሪ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ምንጭታትና ግና ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ኣረጋጊፆምልና።
ትማሊ ረፋድ፡ ገንዳ ገራዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ጀዋር መሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ምኽንያት ብምግባር ዝተኣኻኸቡ ሰባት እንትጉይሉ፡ እቲ ናይ ካልእ ወገን ጥቕዓት ኣብ ልዕሊና ክፍፅም እዩ ብዝብል ዘይተፃረየ ምኽንያት ጎንፂ ከምዝተልዓለ ሓንቲ ምስክር ዓይኒ ገሊፃትልና።
"ድሕሪኡ ዝነበረ ኩነታት ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ዘርኢ እናተፈለየ ብበትርን እምንን መውቃዕቲ ወሪዱ፤ ኩሉ ነገር ሕውስውስ ዝበለ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣባይቲ እንትቃፀሉን ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባትን ከምዝረኣየት ትዛረብ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ቁጠባ፣ ፖሊስ መሬት፣ ሸኽ ሃቢብ፣ ገንዳ ገራዳን ሃቢብን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት፡ ናይ ዕስለ መጥቃዕቲ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ተላቢዑ።
ኦሮሞን ሶማሌን ነንሕድሕዶም እምበር፡ ንካልኦት ተወለድቲ ብሄር ኣየጥቅዑን ዋላ እኳ እንተበለት፡ እቲ ጎንፂ ብናይ መን ድሌት ይካየድ ከምዘሎ ምፍላይ ከምዘጸግም ትዛረብ።
"ንሕና ኣብ ጎንና ሶማሌን ኦሮሞን ኣለዉ፤ መናእሰይን ኣባፅሕን ብሓደ እናውግዑ እዮም፡ ካበየናይ ከባቢ ዝመፅአ ሰብ ፅልኢ ከምዝደልይ፡ ኣይርድአካን" ትብል።
ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ ኣብ ከባብታት ገንዳ ገራዳ፣ ፖሊስ መሬት፣ ቁጣባ፣ ኣዲስ ኬላን ብጉጅለ ተጎጂሎም ንፅልኢ ንዝመፅኡ መናእሰይ ንምብታን፡ ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዘንብዕ ትኪ ከምዝተጠቐሙ ነጊሮምና።
እዞም ምንጪ ሓበሬታና፡ ዛጊድ ትሽዓተ ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ምቑሳሎምን እንትሕብሩ፡ ካልእቲ ምስክር ዓይኒ ግን፡ ቁፅሪ መወትቲ ሓሙሽተ ጥራሕ እዩ ትብል።
ሎሚ መዓልቲ ካብ ንጉሆ ጀሚርና፡ ንኣካላት ምምሕዳር እታ ከተማ ንምዝርራብ ዋላ እኳ እንተፈተንና፡ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት መግለፂ ክንህብ ኢና ብምባል መልሲ ንክህቡና ኣይፈቐዱን።