እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንቅጥቃት መሬት ኢንዶነዢያ ህይወት ዓሰርተታት ሰባት ቀዚፉ
እቲ ሸውዓተ ሬክተርስ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ናይ 10 ኪሎሜተር ዑምቀት ጥራይ ዝነበሮ ክኸውን እንከሎ ኣሽሓት ገዛውቲ ኣዕንዩ፡ ምቁራጽ ጸዓት`ውን ኣስዒቡ።
ነበርቲ ደሴት ባሊ ድማ እናእወዩ ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ እንከለዉ ተራእዮም።
ድሕሪ`ቲ ብሰንበት ንግሆ ዘጋጠመ ራዕዲ፡ ልዕሊ 130 ድሕረ-ነውጺ (ኣፍተርሾክስ) ኣጋጢሞም ኣለዉ። መጠንቀቕታ ናይ ሱናሚ`ውን ተዋሂቡ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ተላዒሉ።
እዚ ነዛ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር ዝኾነት ደሴት ዘናወጸ ራዕዲ፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ`ቲ ህይወት 16 ሰባት ዝቐዘፈ ራዕዲ ስዒቡ`ዩ መጺኡ።
`ኩሉ ሰብ ርዒዱ`
ሎምቦክ ካብ`ታ ዓባይ ደሴት ናይ ባሊ ንምዕራብ ገጻ ኣትርከብ ኣብ ኣስታት 4,500 ትርቢዒት ኪሎሜተር ዝተደኮነት ደሴት`ያ። ክልቲኤን ደሴታት ብድምሩ ሸውዓተ ሚሊዮን ነበርቲ ኣለውወን። ኣብ ዓመት ድማ ሚሊዮናት ወጻእተኛታት ይበጽሕወን።
ኣብ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ከተማታት ሎምቦክ ዝኾነት ማታራም፡ ብዙሓት ህንጻታት ከምዝተሃስዩ ሓድ ኣፈኛ ናይ ትካል ምክልኻል ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኢንዶነዢያ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ብሰንኮፍ ዝተሰርሑ ህንጻታት ምንባሮም ድማ ተሓቢሩ።
እቲ ሓያል ራዕዲ ንነበርቲ`ታ ከተማ ኣባይቶም ገዲፎም ናብ ጎደናታት ከም ዝሃድሙ ገይርዎም`ዩ።
`ኩሉ ሰብ`ዩ ቀልጢፉ ኣባይቱ ገዲፉ ሃዲሙ። ኩሉ ሰብ`ዩ ርዒዱ` ኢሉ ሓደ ኢማም ዝተባህለ ነባሪ።
ኣብ ብዙሕ ክፋል ናይ ከተማ ማታራም ጸዓት ተቛሪጹ`ሎ። ኣብ ሆስፒታላት`ታ ከተማን ኣብ ዴንፓሳር ናይ ባሊን ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናብ ጎደናታት ተወሲዶም ኣብኡ ኮይኖ ድማ ይሕከሙ ኣለዉ።
ነበርቲ ሎምቦክን ባሊን ድማ ነተን ብፍርስራስ ጋዕዚየን ዘለዋ ጎደናታት ከተማታቶም ኣብ ምጽራይ ይርከቡ።
ራዕዲ ባሊ
እቲ ናይ ባሊ ራዕዲ ንሓያሎ ካልኢታት ጸኒሑ።
`ኣብ ፈለማ ትሑት ነውጺ`ዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግን እንበርትዐ ከይዱ፡ ሰባት ድማ ራዕዲ፣ ራዕዲ ክብሉ ጀሚሮም፡ ዳህራይ ግን ኩሉ ሰብ ሰንቢዱ፡ ሃዲሙ ድማ ነቲ ህንጻ ገዲፉ ወጺኡ` ኢሉ ሃደ ስሙ ዘይተገልጸ ሰራሕተኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ኣብ ባሊ ኣብ ምብጻሕ ዝነበረት ኣሜሪካዊት ሞዴልን ደራሲትን ክሪሲ ተይገን ነቲ ናይ 15 ካልኢታት ራዕድን ስዒቦም ዝመጹ `ሓያሎ ድሕረ-ነውጽታትን` ገሊጻቶም።
ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ኣብ ዝዝቲ ኣኼባ ንምስታፍ ኣብ ሎምቦክ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ሲንጋፖር ኬይ ሻንሙጋም ኣብ ናይ ሆቴል ክፍሉ ዘጋጠመ ነውጺ ክገልጽ እንከሎ `ደው ክትብል ኣዝዩ ኣሸጋሪ`ዩ ነይሩ` ኢሉ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ።
ምግዓዝ ካብ ጊሊ
እቲ ራዕዲ ነተን ብሓንበስቲ ዝዝውተራ ሰለስተ ንእሽቱ ደሴታት ናይ ጊሊ`ውን ተንኪፉወን`ዩ። ሓደ ሽሕ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ሃገር ካብ`ተን ደሴታት ከምዝወጹ ተገይሩ ኣሎ። ገለ ካብኣቶም ዝተሃስዩን ዝሰንበዱን ኣለዉ።
እቲ ዘጋጠመ ትሑት ሃስያ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሎምቦክ ይኹን ኣብ ባሊ ዝርከቡ ማዕርፎ ነፈርቲ ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዎ። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ዴንፓሳር ናይ ባሊ፡ ገለ ናሕስታት በቲ ነውጺ ዘለቕለቕ ኢሎም ይርከቡ።
እታ ኣብ`ቲ ብቐጻሊ ራዕዲ መሬትን እሳተ ጎመራን ዝጥቃዕ ቀለቤት ሓዊ (ሪንግ ኦፍ ፋየር) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስመር እትርከብ ኢንዶነዢያ ወትሩ ንራዕዲ መሬት ዝተቓልዐት ሃገር`ያ።
ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዘጋጥሙ ናይ ዓለምና ንጡፋት እሳተ ጎመራታት ድማ ኣብዚ ዓንኬል`ዚ ይርከቡ።
ኣብ ደሴት ሎምቦክ ናይ ኢንዶነዢያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ራዕዲ መሬት ብውሑዱ 91 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። በቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ራዕዲ ካልኦት ኣማኢት ሰባት ድማ ተጎዲኦም ከምዘለዉ ሰበ-ስልጣን`ታ ሃገር ኣፍሊጦም።