እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ሶማሊ ብዝተልዓለ ቅልውላው ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ፡ ኣብያተ ክርስትያን ተቓፂሎም
ናብ ክልል ሶማሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምእታዎም ስዒቡ ቅልውላው ተፈጢሩ'ሎ።
ምምሕዳር እቲ ክልልን ማእኸላይ መንግስትን ዘለዎም ምስሕሓብ ስዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምእታዉ ቁጠዐ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ።
ሰራዊት ምክልኻል፡ ንኣዳራሽ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢን ካልኦት ወሰንቲ ዝበሃሉ ቤት ፅሕፈታትን እቲ ክልል ተቖፃፂሩ ምንባሩ ተገሊፁ።
ኣብቲ ቅልውላው፡ ዘመተ ተፈፂሙ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ድማ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ'ዩ።
ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተቓፀሉ ፀብፃባት የርእዩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ብሰንኪ እዚ ቅልውላው ዓሰርተ ሰባት እዮም ሞይቶም እኳ እንተበሉ፡ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ'ሎ።
መንግስቲ እቲ ክልል፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጣልቃ ምእታዉ ዘይሕጋውን ሕገመንግስቲ ዘይተኸተለን ክብል ኮኒንዎ'ሎ።
ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ኢድሪስ እስማኤል አብዲ ንቢቢሲ ሶማሊኛ ከምዝተዛረቦ "ፌዴራሊዝም መሰረት ዝገበረ ሕገመንግስቲ እዩ ዘለና። ብመሰረት እቲ ሕገመንግስቲ፡ መንግስቲ ፌደራል ጣልቃ ዝኣቱ ካብቲ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ብላዕሊ እንትኸውንን ብሕቶ እቲ ክልላዊ ምምሕዳርን እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገድን ነቲ ሕገመንግስቲ ብዝፃረር መልክዑን ንዓና ከይሓተተ ኣትዩ'ሎ። ንግዚኡ፡ ክንንፀል ኣይሓሰብናን። በቲ ፌደራላዊ ስርዓት 'ውን ክንመሓደር ኢና፤ ግንከኣ ምንፃል ሕማቕ ሓሳብ ኣይኮነን። ነዚ ድማ እቲ ሕገመንግስቲ ውሕስና ሂቡና'ዩ" ኢሉ።
ብኣንፃሩ፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ክልል ሶማሊ ምእታዎም ደጊፎምዎ።
ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ፡ ሼኽ አብዲ ጋፎው "ፕረዚደንት እቲ ክልል፡ ካብ ናቱ ኣመራርሓ ወፃኢ እንተኾይኑ ቅልውላው ከምዝፍጠር ክዛረብ ፀኒሑ እዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ንመንግስቲ ፌደራል ክነጠንቅቕ ፀኒሕና ኢና። ሕዚ ጣልቃ ምእታዎም ዝተባባዕ እዩ። ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ክልልና ወሪሮምዋ ዝብል ሓቃውነት ዘይብሉ'ዩ። እዚ ንሕና ዝጀመርናዮ ቃልሲ እዩ። ምምሕዳር እቲ ክልል በቲ ኣብ ድሬዳዋ ዝተገበረ ኣኼባ ሕጉስ ስለዘይኮነ እዩ ነዚ ዝፍፅም ዘሎ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ዋና ከተማ እታ ክልል ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከተማታት ሶማሊ ከምዝተጋፍሐ ገሊፁ፡ እዚ ድማ "ተቐባልነት ዘይብሉን ብቕልጡፍ ክዕገትን ክእረምን ዝግበኦ ተግባር እዩ" ኢሉ።
ሰላምን ውሕስነትን ህበዚ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት ስለዝተፈጠረ ድማ ነቲ ህውከት ብስቕታ ከምዘይሪኦን "ሰላም ንምውሓስ፡ ነቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ሓልዩ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ" ኣጠንቂቑ'ሎ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ፡ ኣይተ አብዲ ሞሃመድ ኦማር ኣብ ቴሌቪዥን እታ ክልል ቀሪቡ ርግኣት ክፍጠር መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።