ወድድር ግጥሚ ቢቢሲ ትግርኛ ዓመተ 2018

ግጥሚ

ቅጥዕታትን ረቛሒታትን ውድድር ግጥሚ ቢቢሲ ትግርኛ

  • እዚ ውድድር'ዚ ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ንላዕሊ ንዝኾኑ ተዛረብቲ ትግርኛ ክፉት እዩ።
  • እዚ ወድድር ካብ 30 ሓምለ ሰኑይ 11፡59 ፍርቂ ለይቲ ክፉት ኮይኑ ክሳብ ሓሙስ 26 ነሐሰ፡ ብኣቆጻጽራ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንፍርቂ ለይቲ ሓደ ደቂቕ ጎደል 11፡59 ሰንበት 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ዝበጽሐ ግጥሚ ንወድድር ክቐርብ እዩ።
  • ድሕሪ እዚ ዕለት ዝስደድ ግጥሚ ግን ንውድድር ኣይክቐርብን እዩ።
  • ተወዳዳሪ ብሓንቲ ግጥሚ ጥራይ'ዩ ክወዳደር ዝፍቀደሉ። ካብ ሓደ ንላዕሊ ግጥሚ ዝለኣኸ ተወዳዳሪ፡ በታ ቀዲማ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ትግርኛ ዝበጸሐት ቀዳመይቲ ግጥሙ ጥራይ'ዩ ክወዳድር።
  • ተወዳደርቲ፡ ኣብ ቢቢሲ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ ቢቢሲ ምትእስሳር ምስ ዘለወን ኩባንያታት ዝሰርሑ ኽኾኑ የብሎምን፡ ብተወሳኺ ኣዝማድ መመይቲ ግጥሚ እዚ ውድድር ክኾኑ የብሎምን።
  • ተወዳደርቲ ንውድድር ዘቕርቡዎ ግጥሚ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ውድድርን መድረኽ ሚድያን ዘይቀረበን፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኮነ ፈይስ ቡክን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘይተሓትመ ክኸውን ኣለዎ።
  • ግጥምታት ተወዳደርቲ በዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ መምዘኒታት ክምመዩ እዮም።
  • ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ግጥሚ ካብ ክልተ ገጽ ክነውሕ የብሉን። ብኢድ ዝተጻሕፈ እንተኾይኑ ከኣ ብዘይ ጸገም ዝንበብ ክኸውን ኣሎዎ።
  • ኩሎም ተወዳደርቲ፡ ሓደ ቅዳሕ ናይታ ንውድድር ዘቕርብዋ ግጥምን፡ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝራት፡ ማለት፦
  • ተወዳደርቲ ካብ 30 ሓምለ 2018 ጀሚሮም ግጥምታቶምን ውልቃዊ ኣድራሽኦምን ናብ [email protected] ክልእኽዎ ይኽእሉ።
  • አቲ ግጥምታት ኣብ ኢመይል ጽሒፍኩም፡ ኣታች (attach) ወይ ስካን (scan) ጌርኩም፡ ብኢድ ዝተጻሕፈ እንተኾይኑ ከኣ ብስእሊ (jpeg or pdf) ጌርኩም ክትሰድዎ ትኽእሉ። ካብዚ ወጻኢ ግን ቅቡል ኣይኮነን።
  • ድሕሪ'ቲ መዕጸዊ መዓልቲ 26 ነሓሰ፡ ኩሉ'ቲ ዝቐርበ ግጥምታት፡ ንኹሉ መመዘኒ ቅጥዕታት ከምዘማለአ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ቅጥዕታት ዘማልኡ ጥራይ ናብ ደያኑ ክሓልፉ እዮም።
  • ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅጥዕታት ዘየማልአ ግጥምታት ናብ ውድድር ኣይክኣቱን እዩ።
  • ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅጥዕታት ዘማልኡ ግጥምታት፡ ብዘይ ስም ተወዳዳሪ ናብ ደያኑ ክቐርብ እዩ። ካብኡ፡ ደያኑ ንቐዳማይ ንካልኣይን ሳልሳይን መምዮም ከቕርቡ እዮም።
  • ደያኑ፡ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤርትራን ዝተዋጽኡ ጸሓፍትን ምሁራትን ዘሳትፍ ኮይኖም፡ ኤዲተር ቢቢሲ ትግርኛ ሳሙኤል ገብረሂወት ከም ኣቦ ወንበር ኮይኑ ይመርሖም፡ ኣብ ምውሳን እውን ላዕለዋይ ኢድ ይህልዎ።
  • ንውድድር ዝለኣኹ ግጥምታት ስለዘይምለሱ፡ ቅዳሕ ግጥምኹም ከተትርፉ ንምሕጸን።
  • ተዓዋቲ እዚ ውድድርን ካልኣይን ሳልሳይን ዝወጽኡ ኣብ መስከረም 14 ካብ ቢቢሲ ሓበሬታ ክውሃቦም እዩ።
  • ተዓዋቲ እዚ ውድድር ኣስማቶም ንህዝቢ ክሕበር እዩ።
  • ንዕውታት ተወዳደርቲ፡ ንቐዳማይ ብልጫ $1000፥ ንካልኣይ ብልጫ $750፥ ንሳልሳይ ብልጫ ከኣ $550 ዶላር ኣመሪካ መተባብዒ ክወሃብ እዩ።
  • ተዓዋቲ እዚ ውድድርን ካልኣይን ሳልሳይን ዝወጹን ግጥሞም ብቪድዮ ንኽልእኹ ብምሕታት፡ ግጥምታቶም ኣብ ሬድዮ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ መርበብ ቢቢሲ ትግርኛ https://www.bbc.com/tigrinya ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻ https://www.facebook.com/bbcnewstigrinya ክዝርጋሕ እዩ።
  • ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ዕዉታት ቃለመሕተት ብምግባር ኣብ መደባቱ ከቕርቦ እዩ።
  • እቶም ዕውታት ንሽልማቶም ብኸመይ ከምዝቕበልዎ ዝሕብር ጽሑፍ ክውሃቦም እዩ።
  • ተወዳደርቲ፡ ጸለመ፡ ጎነጻዊ ቃላትን ዘይውርዙይ ቃላትን ሓረጋትን ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ንላቦ።
  • ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነዚ ሕግጋት እዚ ናይ ምኽላስ መሉእ መሰልን፡ ኻብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዘጋጥሙ ነገራት ነዚ ውድድር ናይ ምስራዝን መዓልቲ ናይ ምስግጋርን መሰሉ ሕሉወ'ዩ።
  • እዚ ኩሉ ሕግጋት ብሕጊ ዓዲ እንግሊዝን ዌይልስን ዝቕየድ እዩ።
  • ከይዲ እዚ ውድድር ኮነ ሕርያ፡ ከምኡ'ውን እቲ ሽልማት፡ ንደምብታትን ሰረት እምነትን ቢቢሲ ዝተኸተለ ከኸውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ሐበሬታ http://www.bbc.co.uk/editorialguidelines/guidelines/appendix2 ተወከሱ።

ዕቃበ ሓበሬታ (Data Protection )

እቲ ናባና እትሰድዎ ወልቃዊ ሓበሬታኹም፡ እዚ ነዚ ውድድር ዘካይድ ኣካል ቢቢሲ ጥራይ እዩ ክጥቀመሉ።

ቢቢሲ ከም ሕጋዊ ማዕከን ዜና፡ ዜናውን ምህዞኣውን መደባት ዘዳሉ ኮይኑ፡ ንሓደሽቲ ሰብ ዓቕሚ ምትብባዕ ድማ ሓደ ካብ ዕላማታቱ እዩ።

ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ብዘይ ፍቓድኩም፡ ናብ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ዘይሰጋገር እኳ እንተኾነ፡ ተወዳደርቲ ዝነብርሉ ሃገርን ዞባን ዝምልከት ሓጺር ሓበሬታ ኣብ ዌብሳይት ክሕተም ይከኣል እዩ።

ኩሉ ውልቃዊ ሓበሬታ ብውሑስ ኣገባብ ዝዕቀብ ኮይኑ እዚ ውድድር እዚ ኩሉ መስርሓቱ ምስ ወደአ ምሉእ ብምሉእ ካብ ማዕከንና ይድምሰስ።

ውልቃዊ ሓበሬታኹም ከመይ ከምዝዕቀብ ክትፈልጡን ክትሓቱን ምስ እትደልዩ ናብ [email protected] ሕቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ።

ንፖሊሲ ቢቢሲ ብሕትውናን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ሊንክ ክተረኽቡ ትኽእሉ http://www.bbc.co.uk/privacy