እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌስቡክ ኣብ ቻይና ቤትፅሕፈት ክኸፍት ይህቅን
ፌስቡክ ኣብ ቻይና ቤት ፅሕፈቱ ክኸፍት ፍቓድ ረኺቡ'ሎ። እዚ ድማ፡ መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ናብ ዝተዓፀወላን ገፊሕ ዕዳጋ ናብ ዘለዋን ቻይና ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ እዩ ተባሂሉ።
ፌስቡክ፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝኸፍቶ ቤት ፅሕፈት "ንቻይናውያን ኣማዕበልቲ ሶፍትዌር፣ መሃዝትን ጀመርቲ ነጋዶን ድጋፍ ዝህብ ማእኸል" እዩ ክኸውን ኢሉ።
እቲ ቤት ፅሕፈት እንተደኣተኸፊቱ፤ ፌስቡክ ኣብ ቻይና ንመጀመርታ እዋን ወግዓዊ ህላወ ክህልዎ እዩ።
እንተኾነ ግን፤ ናይዚ ቤት ፅሕፈት ምዝገባ ዘርኢ ሓበሬታ ካብ መርበብ መንግስቲ ቻይና ክእለ ተገይሩ'ሎ።
ቻይና ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ጠለብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዋ ሃገር እያ፤ ግን ከኣ ከም ትዊተር፣ ፌስቡክን ዩቲዩብን ዝኣመሰሉ መርበባት ኣብታ ሃገር ዕፁዋት እዮም።
ኣብ ከክንደኦም፡ ቻይናውያን ተጠቀምቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዊቦ፣ ሬንሬን፣ ከምኡ ድማ ዩኩ ዝኣመሰሉ መንግስቲ ክቆፃፀሮም ዝኽእል ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ዝጥቀሙ።
መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ንሰብመዚ ቻይና ከሐጉስ ብዙሕ ፈተነታት ዝገበረ እንትኾን፤ ንቋንቋ መንደሪን ክሳብ ምምሃር በፂሑ እዩ።
ዝርዝር እቲ ምዝገባ ከምዘርእዮ፡ ፌስቡክ ኣብ ቻይና ክኸፍቶ ሃቂንዎ ዘሎ ጨንፈር ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ሃንግዙ ዝተመዝገበ እንትኾን 30 ሚልዮን ዩሮ ክፈስሶ እዩ።