ብሰንኪ ናዕቢ ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ንሳቶም ነቲ ዝበጽሖም በደልን ክሳራን ሰብመዚ ክልል ትግራይ ክርድእሎም ጥርዓናም ከም ዘቕረቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም። መንግስቲ ንኩነታቶም መፍትሒ ክረኽበሎምን፡ ናብ ንቡር ሂወት ክምለስሉ ዝኽእሉ ከነታት ክፍጠረሎምን ይጠልቡ ከም ዝለዉ ይዛረቡ።
"ካብ ኦሮምያ ሸሸመነ'የ ዝመጻእኩ፡ ዕግርግር ብልተፈጸመ ናብ ስተድዯም እዮም ወሲዶምና፡ ኣብኡ ትሽዓተ ወርሒ ጸኒሕና፡ መፍትሒ ክመጽእ'ዩ እብሉና፡ መፍትሒ ግን ኣይመጸይ" ትብል ሓንቲ ካብቶም ተፈናቐልቲ ዝኾነት ብርሃን።
"ናትና ሕቶ፡ ኣንሕና ቆልዑ ሒዝና፡ ኣረጋጉቲ ኣዴታት ኣረጋጉቲ ኣቦታት ሒዝና ኢና፡ ንኣቶም መጽለሊ፡ ንኣቶም ክንጥወር፡ ንኣቶም እንተሞቱ ክንቀብረሉ እንኽእል ቦታ ክዋሃበና ኣለዎ'ዩ" ድማ ትብል ንሳ።
ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተፈጢሩ ኣብ ዝነበረ ዕግርግር ኩሉ ንብረቱ ከም ዝዓነወ ዝገለጸልና ሓደ ካብቶም ግዳያት'ውን "ካብቲ ዝነበረኒ ልዕሊ 10 ሚልየን ባዶ ኢደይ ጥራይ ተሪፈ" ብምባል ገሊጹ።
ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ዝሃበና መብርሂ እዞም ኣካላት ዘልዓሉዎ ሕቶ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ክልል ረኺቡ ከምዘዘራረቦም ብምግላጽ መፍትሒ ክወሃቦም ኣብ ምረድዳእ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቡ።
"እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ሓገዝ መግቢ እኹል'ኳ እንተዘይኾነ ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብዚ ምቁርራጽ ኣጋጢሙ ነይሩ'ዩ። እዚ ክፍጠር ዝነበሮ'ኳ እንተዘይኾነ ጽባሕ እቲ ዘድሊ ሓገዝ መግቢ ክወጋቦም ኣንፈት ወጺኡ ኣሎ"።
ንሱ ብተወሳኺ ከም ዝበሎ፡"ከም መንግስቲ ክልል ንብረቶም ዝጠፍኦምን ዝዓነዎም ኣካላት ስለዘለዉ፡ ምስቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ክልል ዘለዉ ኣመራርሓን ፌደራልን ፍታሕ ክረክብ፣ ክከሓሱን መጣየሲ ክረኽቡን ይስራሕ'ዩ ዘሎ። ብፍላይ ምስ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ተቐራሪብና ኢና ንሰርሕ ዘለና።
"ከም ክልል ክንሰርሖ ዝግባእ ነገር ድማ ኣሎ። መጽለሊ ኣብ ምርካብ፣ ንዝሰርሑ ልቓሕ ክረኽቡ ኣብ ምግባርን መስርሒ ቦታ ኣብ ምቕራብን እቲ ክልል ዓቕሚ ብዝፈቕዶ ክፈትሕ ዉሳነ ብምሕላፍ ይስራሕ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







