"ወርቃውን ታሪኻውን ዕለት'ዩ" ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ሃይለማርያም

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ሃይለማርያን ደሳለኝ ዕርቀ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ሰናይ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኩሉ ዝምነዮን ዝናፍቖን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
"ንኽልትኤን ሃገራት ወርቃውን ታሪኻውን ዕለት'ዩ። እቲ ርክብ ተመሓይሹ ንክፅል መሰረት ዘንብር ዕለት'ዩ።" ኢሎም።
ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሰላም ንምምፃእ ናብ ኣስመራ ናይ ምኽያድ ድልየቶም ገሊፆም ምንባሮምን ሕልሞም ከምዝተግሃደን ንቢቢሲ ገሊፆም።
"እቲ ምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣየር'ውን ብፅልኣት ዝተመልአ ነይሩ። ሕዚ ግን ኣብቲ ኣየር'ውን መንፈስ ሕውነት፤ ፍቕርን ሰላምን ኣብ ዝዓምበበሉ እዋን በፂሕና'ለና" ክብሉ ሓቢሮም።
ብመሪሕነት ቐዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅልጡፍ ለውጢ ይመፅእ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፤ "ዝድግፎን ዝምነዮ ዝነበረን'ዩ፡ ብዝካኣለኒ'ውን ክድግፎ'የ" ኢሎም።

ነቲ ለውጢ ንምጥንኻር ግን ተወሰኽቲ ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።
ካፒተን ዮሴፍ ሃይሉ ን34 ዓመታት ብኣብራርነት ዝሰርሐ'ዩ። ነቲ ሎሚ መዓልቲ ዝግበር ፈላሚ በረራ'ውን ብካፒተንነት ከምዝመርሕ ተፈሊጡ'ሎ።
ሎሚ ንጉሆ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንበረራ እናተዳለወ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓፂር ቃለ-መሕትት "ኢትዯጵያን ኤርትራን ኣብ ሰላማዊ ርክብ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ብዙሕ ግዜ በረራ ኣካይደ'የ" ኢሉ።
"ኣብ ካልኦት ናይ መጀመሪ በረራታት ተሳቲፈ እፈልጥ'የ" ዝበለ ካፒተን ዮሴፍ እዚ ግን ንዕኡ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ገሊፁ።

"ናብ ዝዓበኹሉ ቦታ ይኸይድ ስለዘለኹ ዝተፈለየ'ዩ፡ ዝተፈለየ ስምዒት'ዩ ዘለኒ። ዝረኽቦም መሓዙት ኣለዉኒ" ክብል ብታሕጓስ ተዛሪቡ።
ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዘለዎ ናእዳ ብምግላፅ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ዘመሳስሎ ነገራት ከምዘሎን። ሓንቲ ብዘይ'ታ ካልእ ምንባር ከምዘይክእላን እምነቱ ገሊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







