"ኩሎም ሚድያታት ኣብ ዝተሓዋወሰ ደምበ’ዮም ዘለዉ”

ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ተነሓናሕቲ ድረ ገጻት ምዕፋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓመታት ዝለመዶ ስጉምቲ እዩ።
ንዓመታት Deep Packet Inspection (DPI) ኣብ ዝተብሃለ ሜላ መመየዪ እናተጠቅዑ ከይንበቡ ዝተኣገዱ ድረ ገጻት ብዙሓት'ዮም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተርኣየ ለዉጢ 16 ማዕኸናት ዜና ኣብ ዉሽጢ ሃገር ከይርኣዩ ከምዝተኸልኸሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ትካል ገሊጹ ነይሩ።
ተመሳሰልቲ ስጉምታት ይወስድ ኣሎ እናተብሃለ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክንቀፍ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሚዲያታት ዝነበሮ መርገጺ ቐይሩ ኣሎ።
ገሊኦም 'በተንቲ' ወይ 'ዓሌታውያን' ገሊኦም 'ራዕደኛታት' ተባሂሎም ተዓፅዮም ዝነበሩ 264 ድረገጻት ክኽፈቱ ተገይሩ'ዩ። ሐዚ ናበይ የምርሑ ይኾኑ ናይ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕቶ እዩ።
ዓፈናን ምንነት ተዓፈንትን ?
ሄኖክ ዓለማየሁ ደገፉ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ ዕቑባ ካብ ዝሓተቱ ጋዜጠኛታትን ሓተምትን ሓደ'ዩ። ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ፖለቲካ፣ መዘናግዕን ማሕበራዊ ጉዳያትን ትኹረት ዝገበረ ድረ ገጽ ኣላልዩ።
ዘ-ሀበሻ ብዝብል መጸዉዒ ዝፍለጥ እዚ ድረ ገጽ፡ ብኣዉርኡ ድማ ነቲ ዲያስፖራ ሓደ መማረጺ ሓበሬታ ኾይኑ። ኾይኑ ግና ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን እዚ ድረ ገጽ ኣብ ኢትዮጵያ ከይንበብ ማዕቐብ ከምዝተነበሮ ኣዳለዉቲ እቲ ድረ ገጽ ይዛረቡ።
"ካብ ኣብ ልዕሌና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ጉድኣት ይዛይድ" ይብል ሄኖክ ኣለማየሁ፤ ብዙሓት ኣገልግሎት እቲ ድረ ገጽንምርካብ ዝተፈላለዩ መሕለፊ ሶፍትዌራት ንምርካብ ንብኽነት ግዜን ገንዘብን ከምዝተቓልዑ ብምግላጽ።
መስራቲት ፕሮጀክት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ድረ ገጻት ዝዓጽወሉ ምኽንያት "መማረጺ ዝኾኑ ሓሳባት ንምግታእ'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዋ።
"እቲ ስጉምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካ መንግስቲ ብዝደልዮ መገዲ ጥራሕ መልክዕ ክሕዝ ገይሩዎ'ዩ" እትብል ሶሊያና፡ ድረ ገጻት ብምዕጻዎም ናይ ሓሳባት ዋሕዚ ብምጥፋእ ህዝቢ ህይወቱ ዝቕይረሎም ሓበሬታታት ንምርካብ መሰሉ ተመንዚዑ'ዩ ትብል።
መንግስቲ እዞም ሚድያታት ይዓጺ ምንባሩ ምእማኑ ዓብዪ ነገር'ዩ እትብል ሶሊያና: እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ዘለዎ ዓብዪ እጃም ተልዕል።
"እቲ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ ንህዝቢ ዓብዪ ጥቕሚ ኣለዎ። ህዝቢ ሓደ ዛዕባ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ዝትርጉሙ መራኸብቲ ሓፋሽ እንተረኺቡ ዝደልዮ ሓሳብ ንምምራጽ ዕድል ይፈጥረሉ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, ZEHABESHA
ወናኒ ዘ-ሀበሻ ሄኖክ ብወገኑ፡ ካብ ምኽፋት ተኣጊዶም ዝነበሩ መርበባት ሓበሬታ ብዝሰገረ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ወጻእ ሃገራት ንዝርከቡ ድረ-ገጻት ምላሽ ናይ ዘይምሃብን ሓበሬታ ናይ ምኽልካልን ልምዶም ክእርሙ ይግባእ ይብል።
ይኹን 'ምበር መብዛሕተኦም ተዓፅዮም ዝፀንሑ ድረ ገፃትን ቅድም ክብል ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝኾኑ ውልቀ ሚድያታትን ኣብ ዓሌታዊ ጠቐነታት ዘትኮሩን ኣብ መንጎ ህዝብታት ፅልእን ጎንፅን ዝጉስጉሱ ተባሂሎም ውን ብብዙሓት ዝንቀፉ እዮም::
"ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ማዕጾኦም ኽፉት እንተገይሮም፤ ጸብጻባት ሚዛናዊ ንምግባር ክንፍትን ኢና። ክሳብ ሕዚ ሚዛናዊ ኣይኾኑን ተብሂልና እንዉቀሰሎም ምኽንያታት ምንጪ እቲ ን 27 ዓመታት ንጋዜጠኛታት ደፊሩ ሓበሬታ ዝህብ ናይ መንግስቲ ኣካል ዘይምህላዩ'ዩ" ይብል ሄኖክ።
ኢትዮጵያ ድኹም ባይታ ናጻ ፕሬስን ደሕንነት ጋዜጠኛታትን ኣለዋ እናበሉ ክግምግሙ ካብ ዝጸንሑ ዓለምለኻዊ ትካላት 'ሲፒጄ' ሓደ'ዩ።
እቲ ትካል ምምሕዳር ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምታት ብእወንታ ከምዝርእዮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ እቲ ትካል አንጄላ ኩዊንታል ብቐጻልነት ክዉሰዱ ኣለዎም ዝበለቶም ስጉምታት ትዛረብ።
"ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈረንጂ ዝወጽአ ሕጊ ግብረ ራዕዲ፡ ነቲ ፕሬስ ኣብ ምድኻም ተራ ነይሩዎ። እዚ ሕጊ ክኽለስ ከምዘለዎ ብደብዳበ ኣፍሊጥና ኢና። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ዉድባትን ይዝትዩ ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣሎና" ኢላ።
ኢትዮጵያን ናጽነት ሚዲያን
ኣብ ጉዳያት ሚዲያን ጋዜጠኝነትን መጽናዕቲ ዘካየደ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣቶ መብራህተን ገብረማርያም: ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝዓትር ጀሚሩ ንብዙሕ ዓመታት ዕንቀፋት ኾይኑ ዝጸንሐ "ቅድመ ምርመራ" (ሴንሰርሺፕ) ብምልዓሉ ሚዲያታት ፍንዉ ብዝኾነ መገዲ ክኸዳ በሪ ኸፊቱ ነይሩ ይብል።
"ኣብዚ ግዜ ብዙሓት ዉልቀ ፕሬሳት ናብ ዕዳጋ እንትኣትዉ ገሊኦም ባዕሉ እቲ ዕዳጋ እናነጸሎም ዝኸዱ ኣለዉ፡ ብኡ ልክዕ ድማ መንግስቲ ብትሕዝቶታቶም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ እናተጸንቀቐ ምስ መጽአ ጋዜጠኛታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ካብቲ ዕዳጋ ክወጽኡ ገይሩ'ዩ" ይብል መብራህተን።

ምንጪ ስእሊ, MARCO LONGARI
ዉልቀን ሚዲያታት ናዕቢን ኵናትን ናብ ምፅዋዕ፣ ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝወጽአ ናይ ኣክቲቪዝም ስራሕ ናብ ምስራሕ እንትኣትዉ፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ክንዲ ብግቡእ ምምራሕ ጸላኢ ገይሩ ብምቕራጽ ናብ ስጉምታት ምእሳር ከምዝኸደ የብርህ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ብጋዘጠኝነት ዝሰርሐ ሃይለስላሰ ሰገድ ብወገኑ፡ ሕገ መንግስቲ ኤፌዴሪ ናጽነት ፕሬስ ውሕስና ምሃቡ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ኢድ ኣእታዉነት ሓሳቡ ክገልጽ፣ ሓበሬታ ክእክብን ክዝርግሕን ፈቒዱ'ዩ ይብል።
"ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዘለዉ ሚዲያታት'ዉን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከተኣናግዳ ከም ግቡእ ኣቐሚጡዎ'ዩ። ኮይኑ ግና እተን ናይ ዉልቀ ኾነ ናይ መንግስቲ ሚዲያታት እንታይ ይሰርሓ ነይረን ዝፍለጥ'ዩ፥። መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምኽባር፡ ገሊአን ናይቲ ሕሉፍ ስርዓት መጋዋሕቲ፣ ገሊኤን ድማ ህዝቢ ዘነጻጸረ ትሕዝቶ ምግዋሕ፡ ካልኦተን ድማ ነዚአን ናይ ምዉቃዕ ህልኽ ዝተመልኦ ኣካይዳ'ዩ ነይሩወን። እዚ ኹሉ እቲ ናጽነት ፕረስ ብቲ ዝድለ መልክዑ ከይዓቢ ዓጊቱዎ'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።
"ኩሎም ኣብ ዝተሓዋወሰ ሓደ ደምበ'ዮም ዘለዉ"
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ ኣብ ሚዲያታት ዓብዪ ምምሕያሽ ብምግባር ብናጽነት ዝሰርሓሉ ባይታ ክፍጠር'ዩ ኢሉ ነይሩ።
እዚ እወንታዊ ሓሳብ ድማ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ካብ ዘለዋ ሚዲያታት ብዝሰገረ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ናይ ባዕሎም ዕላማታት ዘሰጉሙ ዝነበሩ ከይርኣዩ ተኣጊዶም ዝነበሩ ትካላት ሚዲያ ኦኤምኤንን ኢሳትን ከይተረፉ ናብ ዓዲ ዉሽጢ መጺኦም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ፍቓድ ረኺቦም።
ማሕበር ተጋሩ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተስኣ) ብፍላይ ኢሳት ብዝምልከት ቅድም ክብል ዘቃለሖም ዓሌታዊን ዘርኣውን ፀብፃባት ከይኣረመን ይቅርታ ከይሓተተን ናብ ዓዲ ክኣቱ ምፍቃዱ ብምቅዋም ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዕላዊ ደብዳበ ከምዘእተወ ይገልፅ:: ዛጊድ ምላሽ ግን ኣይረኸበን::
"እቲ ጫፍ ዝረገጸ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ከምዘሎ ተቐቢልኻ ክሰርሑ ምፍቓድ፡ እወንታዊ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሃገራዊ ሚዲያ ነገራት ኣድቂቑ ዝርእየሉ ዓቕሚ ይዓቢ'ዶ ኣሎ? እንተይልና ምስ ዝፈሰሰ ምፍሳስ እምበር ኣትሪሩ ዝሰርሐሉ ኩነታት የለን" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ መብራህተን።
ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ሃገራዊ ሚዲያ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምርግጋጽ፣ መትከላት ሕገ ምንግስቲ ክኽበሩ ኣብ ምግባር ዝሰርሖም ስራሕቲ ከምዘየለዉን ኣብቲ ሚዲያ ምትሕዉዋሳት ይፍጠሩ ከምዘለዉን ብቐጻሊ ዓብዪ ጸገም ክፈጥር ከምዝኽእልን'ዉን ይዛረብ።
"ገዘፍቲ ሃገራዊ ለዉጢታት ኣለዉ። ግርታታት'ዉን ከምኡ። ነዚ ኹሉ ንምንታይ ኢሎም ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሚዲያታት ክሓቱዎ በሪ ኣይተኸፈተሎምን ዘሎ። ገለ ኣብ ኣካይድኡ ኣድቂቐን ክርእያ ዝፈተና ከም ኢኤንኤን ዝበላ ድማ ተዓጽየን ኣለዋ። ንሓዋሩ እዚ ናይ እማን ወሳኒ ነቐፈታ ንዘስመዓ ሚዲያታት ዝጻወር እንግድዓ ክህልዎ ድዩ ዝብል የጠራጥረኒ'ዩ" ይብል።
ኣብዘን 100 መዓልታት ጻንሒት ሚዲያ ዝምልከት ስክፍታ ጥራሕ'ዩ ዘለኒ ዝብል ኣቶ ሃይለስላሴ ብወገኑ፡ ኹሎም ሚዲያታት ኣብ ሓደ ደምበ ሰፊሮም ዝተሓዋወሰ ኣካይዳ'ዩ ዘሎ ክብል ይዛረብ።
"ኣብ ሚዲያ ዘሎ ምትሕዉዋስ ደምበ ኣዝዩ'ዩ ዘስግአኒ። ካብዚ ዉጽእ ዝበለ ሓሳብ ንዘሰጉም ድማ ብዓይኒ ጥርጣረ'ዩ ዝርኢ ዘሎ። መንግስቲ ንዝሓዞ ከይዲ ኣይደገፍካን ኣየጋዋሕኻን ብምባል ደብዳበ ዝጸሓፍ እንተኾይኑ ካብቲ ዝሓለፈ ለዉጢ ዘምጽእ ኣካይዳ ኣይኾነን" ዝብል ስነ ሞጎት ይሕዝ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ንድጋፍ ሰልፊ ሽፋን ዘይሃብሉ ምኽንያት መብርሂ ክሃቡ: ንትግራይ ቴሌቪዥንን ኢኤንኤንን ምሕታቱ ኣብ ዓብይ ትዕዝብቲ ተንተንቲ ሕግታት ሚድያ ኣወዲቑዎ:: እዚ ኣከያይዳ ኣንፈቱ ፅልግልግ ዝበለ ከይኸውን ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ::




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







