ክሲ ብርሃኑ ነጋን ጃዋር መሓመድን ተቛሪፁ

ብርሃኑ ነጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብርሃኑ ነጋ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጣብያታት ቴሌቪዝን ኢሳት ከምኡ ድማ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትወርክ ዝነበሮ ክሲ ከምዘቋረፀ ሚድያታት ውሽጢ ዓዲ ፀብፂቦም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ብርሃኑ ነጋን ጃዋር መሓመድን ኣብ ዘየለውሉ ተኸፊቱ ዝፀንሐ ክሲ 'ውን ክቋረፅ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።

ነዚ ውሳነ ብዝምልከት ርኢትኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ዋና መካየዲ ስራሕ ኢሳት ኣይተ ኣበበ ገላው ነዚ ውሳነ ስዒቡ ዝቕየር ቅዋም ከምዘየለ ይገልፅ።

"ናይዚ ክሲ ምምፃእ ኮነ ምኻድ፡ ከምኡ 'ውን ምልዓሉ፡ ዋላ እውን ዳግም እንተኸፈትዎ እንልውጦ ነገር ኣይህሉን" ይብል ኣበበ።

ግን ከኣ ነቲ ውሳነ 'ኣካል ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይነፍስ ዘሎ ንፋስ ለውጢ' ገይሩ ከምዝሪኦ ይገልፅ።

ብውልቁ ዝተኸሰሶ ክሲ ከምኡ ድማ ብለዕለዋይነት ናይ ዝመርሖ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትወርክ (ኦኤምኤን) ክሲ ምቁራፁ ብዝምልከት ርኢትኡ ክሃበና ንጃዋር መሓመድ ሓቲትናዮ።

ጃዋር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Jawar Mohammed

መግለጺ ስእሊ, ጃዋር መሓመድ

"ቀደሙ 'ውን ኣነ ኮንኩ ኦኤምኤን እንትንክሰስ ዝሰራሕናዮ ወንጀል ኣይነበረን፤ ጥፍኣት 'ውን ኣይፈፀምናን" ይብል ጃዋር።

እኳደኣስ ንዕኡ፣ ንጋዜጠኛታቱን ንህዝብን ንምፍርራሕ ዝቀረበ ክሲ ከምዝነበረ የብርህ።

"ቃልሲ ቄሮ ከምቲ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ እሱራት ዘፍተሐ፤ ሎሚ ድማ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ኦኤምኤንን ንዝቐረበ ክሲ ከሰርዝ ክኢሉ እዩ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ሓይሊ ከይኮነስ ልዝብን ስምምዕን እዩ ዘድሊ ዝብል ሓዱሽ ኣመራርሓ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ምውሳኑ ንኢዱ።