እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"መንግስቲ ጠለብ ዜጋታት ከማልእ ኣይኽእልን" ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ዘሎ ለዉጢ ንምትዕንቓፍ ዝፍትኑን ኣብ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ሰባት ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በጀት ዓመት 2011 ኣብ ዘጽድቀሉ ኣኼባ ተረኺቡ ነቶም ኣባላት መብርሂ እንትህብ'ዩ እዚ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ባይቶ ካብ ሞንጎ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ዝተዉሃበ ምላሽን እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ይርከብዎም።
ደሕንነት ዝምልከት
"ሕዚ ዝተፈጥረ ለዉጢ ዘይድግፉ ኣካላት ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዚ ለዉጢ ንምፍራስ ዝስርሑ ስራሕቲ ድማ ኣለዉ። መንግስቲ እዞም ጉዳያት ብዝግባእ ዝፈልጦምን ዝዓግቶምን'ዮም" ኢሉ።
"ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ፖለቲከኛታት ነገር እንትሞትን እንትድሕንን ኣይፈልጡን" እዉን ኢሉ።
ተመን ስርዓት እቶት
መንግስቲ ክእክቦ ዝግባእ እቶት ምእካብ ከምዘይኽኣለ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብቲ ዝቕፅል ዓመት መንግስቲ እቶት ዝእክበሉ ስርዓት ብምዝማንን ሰብ ሃፍቲ ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ብምግባርን እቶትና ክነዕቢ ኢና ክብል ኣብሪሁ።
ምስዚ ብዝተትሓሓዘ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ዘዘዋዉሩን ዝእክቡን ሰባት ገንዘቦም ናብ ባንኪ ከምጽኡ ሓቲቱ።
ነዚ ጻዉዒት ተኸቲሎም ገንዘቦም ናብ ባንኪ ንዘምጽኡ ሰባት መንግስቲ ይቕረታ ከምዝገብር ብምግላፅ፡ ካብዚ ወጻእ እንተጋጥም ግና ብርቱዕ ስጉምቲ ከምዝዉሰድ ሓቢሩ።
ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዝምልከት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ካብ ባንኪታት ዉሽጢ ዓዲ ጥራሕ ክሳብ 400 ቢሊዮን ብር ዘጽጋዕ ገንዘብ ከምዝተለቅሑን፡ ካብ ዘለወን ገንዘብ ንላዕሊ ዕዳ ከምዝተኣከበንን ገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ ኢሉ ኣብዪ፡ ሓደሽቲ ትካላት ልምዓት ካብ ምህናጽ ዝተጀመሩ ምዝዛም ከምዝምረጽ ብምሕባር፡ ክዛዘሙ ዘይኽኣሉ ትካላት ናብ ብሕቲ ክዛወሩ ከምዝግበር ገሊፁ።
ህንጸት ኣባይቲ
ጠለብ ኣባይቲ ዝለዓለ'ዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ብቲ ዝድለ ናህርን ጽርየትን ይፍጸም ከምዘየሎ ግና ተዛሪቡ።
መንግስቲ ጠለብ ዜጋታት ከማልእ ኣይኽእልን ኢሉ። ስለዝኾነ እቲ ናይ ብሕቲ ዓዉዲ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎን፣ መንግስቲ ድማ ጠለብ ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላእ ምስቲ ብሕቲ ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣመልኪቱ።
ዝቕባበ ዋጋ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ሞንጎ ዝቕባበ ዋጋን ናህሪ መነባብሮን ዘሎ ጉዳይ ነጻጺልኻ ክርአ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበሎ እንተኾይኑ፡ ዜጋታት ብማእኸላይ 60 ሚኢታዊት ኣታዊኦም ንምግቢ'ዮም ዘዉዕሉ። ኣብዚ መንግስቲ ዘጋጥም ዝቕባበ ዋጋ መግቢ ንምቁጽጻር ክሰርሕ'ዩ።
መንግስቲ እቶት ዜጋታት ንክዉስኽ ብምስራሕን ዓቕሚ መፍረያይነት ብምዕባይን ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ንምንካይ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ሸርፊ ወጻኢ
ብመሰረት ፈላማይ ዙርያ ትልሚ ዕብየትን ለዉጥን፡ ኢትዮጵያ 10 ቢሊዮን ዶላር ክትረክብ ትልሚ'ኳ እንተነበራ ክሳብ ሕዚ ክተዐዉቶ ዝኸኣለት ግና ሲሶ ጥራይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ሕዚ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ጽሬት ትምህርቲ
ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 29 ሚሊዮን ተምሃሮ ኣለዉ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኢትዮጵያ ንትምህርቲ ዝለዓለ ወጻኢ ከምትገብር ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።
ምኽረ ሓሳባት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ
ኣብ መወዳእታ ኣብ ወጻእ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ዘካተተ ንዕብየት ሃገር ዝሕግዝ ዝበሎ ምኽረ ሃሳብ ነቲ ባይቶ ኣቕሪቡ።
ቁጽሪ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ 3 ሚሊዮን ክበጽሑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ ኢትዮጵያዉያንን ትውልደ ኢትዮጵያዉያንን ብዉሑድ ሓደ ሚሊዮን ኣብ ግምት ብምእታዉ ዝስዕቡ ሓሳባት ኣቕሪቡ።
- ብቦርድ ዝምራሕን ኣታዉን ወጻእን ዝፈልጥ ትረስት ፈንድ ብምጥያሽ እቲ ዲያስፖራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ዶላር ክልግስ ንሓትት ኢሉ። በዚ እንተዉሓደ በብመዓልቱ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ክትረክብ ከምእትኽእል ተዛሪቡ።
- ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ገንዘብ ብባንኪ ጥራሕ ክልእኹ ሓቲቱ።
- ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ተወሳኺ ፈሰስ ብምክያድ ዕድላት ስራሕ ክፈጥሩን ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበር ግብሪ ብምኽፋልን ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙን ጸዊዑ።