እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራዊ ኣግልግሎት ኤርትራ ውጽኢታዊዶ ኔሩ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ሎንዶን ዳይሬክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቢርቤክ ንወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሸቶኡ ወቒዑዶ? ዝብል ንምግምጋም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ንወጻእተኛታትን ኤርትራውያንን ሰሚናር ኣካዩዱ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መጻኢ ዕድል ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንታይ ክኸውን'ዩ?
በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጉዳይ ምሕታት ዑቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ከመይ ክጽሎዩ? ዝብሉ ሕቶታት መሊሱ ኔሩ።
እቲ ብ1994 ዝጀመረ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ኤርትራ ዕላሙ ከምቲ ዝወጠኖ ከም ዘይወቕዐን ቀንዲ ጠንቂ ስደት ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገርትን ምዕራብን ከምዝኾነን ፕሮፌሶር ጋይም ክብረኣብ ይዛረብ።
ምስ ፕሮፈሶር ጋይም ዝገበርናዮ ቃለ-መሕትት ምሉእ ትሕዝትኡ እነሆ።
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ መሑፍካ እንታይ'ዩ ነይሩ?
ፕሮፌሰር ጋይም፡ እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ዩ። ዘተኮረሉ ካኣ ዕላማ ሃገራዊ አገልግሎት እንታይ'ዩ? ስለምንታይ ኣድልዩ?።
ምስ ኩነታት ኤርትራ ኣታሓሒዙ ድማ እንታይ'ዩ መበገሲኡ ነይሩ? ዝብል ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ረቑሐ።
ብዓይኒ'ቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓምታት ዘገልገሉ ክረአ እንከሎ ዕላምኡ ኣማሊኡ'ዶ ኣየማልአን ኢለ ይትንትኖ ማለት'ዩ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ንሃገራዊ ሓድነትን ህንጸትን ብዝብል'ዩ ጀሚሩ'ሞ ዕላምኡ ወቒዑ'ዶ ትብል?
ወቒዑን ኣይወቐዐን ክብሃል ይኽኣል። ኣብ ገሊኡ እቲ ሓድነት ናይ ደቂ ሃገር ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ኤርትራ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ኩነታት መነባብሮን ዘለዎም ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪብካ 24 ሰዓት ብሓንሳብ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ይሕጎሱን ይሳቐዩን።
እዚ ድማ ንሓድነቶም፡ ንምፍላጦም ኣብ ሞንጎኦም ዝምድና ንምፍጣርን ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ ነይሩ። በዚ ክረኣይ እንከሎ ብዙሕ ዓወት ነይርዎ ክብሃል እክኣል።
ግን ድማ መብዛሕትኦም ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ፡ እቲ ኣገልግሎት ምስነውሐን መወዳእታ ዘይብሉ ምስ ኮነን ፋሕፋሕ ስለዝበሉ፡ ማለት ካብኡ ኣምሊጦም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብኡ ኣቢሎም ብሊብያ ንወጻኢ ዓድታት ዝኸዱ ስለዘለዉ'ምበር ኣብ ዓዲ እንተዝነብሩ ብሕልፊ እቲ ናይ ሓድነት ዕላማ ብጣዕሚ ጽቡቕ'ዩ ከይዱ ክብሃል ይካኣል።
ካልእ ግን ከም ናይ ምምሕያሽ ሃገራዊ ምክልኻል ዝብል ዕላምኡ ኣብቲ መጀመርያ በርኪቱ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ድሓር ግን መብዛዕትኦም ስለዝሃደሙ ክሳብ ክንድ'ዚ እቲ ሃገራዊ ምክልኻል ደልዲሉ ክባሃል ኣይክኣልን። እዚ ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ።
ብግዜ ሃገራዊ ቃልሲ ገድሊ ኤርትራ ተኣምር ይሰርሕ ነይሩ። ናይ ኢትዮጵያ ገዚፍ ሰራዊት ሓምሺሹ፡ ናጽነት ኣምጺኡ።
ኣብዚ ናይ ዶብ ውግእ ዝነበረሉ ግን ከምቲ ልሙድ ህዝብና ዝለመዶ ዓወት ኣየበርከተን። ስለዚ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ክንድቲ ኣብ ሃገራዊ ምክልኻል ኣበርኪቱ ክብሃል ኣይካኣልን።
ምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን ብኸመይ ክጸልዎ ትብል?
ነቶም ፍቓድ ዘለዎም ዘጸግም ኣይኮነን። ሓንሳብ ፍቓድ ምስ ሓዝካ ዘሕድገካ የለን።
ነቶም ብሕጂ ዝመጹን ጉዳዮም ኣብ መወዳእታ ዘይበጽሐን ግን፡ እቲ ናይ ክልትኤን ሃገራት ስምምዕ ከምቲ ተተስፍዩሉ ዘሎ መፈጸምታ እንተረኺቡ፡ እቲ ምግዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ንሱ እንተድኣ ተሪፉ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ጠንቂ ስደት ተሓሲቡ ናይ ስደተኛ ፍቓድ ዘውህብ ኣይክኸውንን'ዩ።
ኣብ ዓዲ ማእሰርቲ፡ ምምቋሕን መግረፍትን ጠጠው እንተዘይኢሉ ግን እቲ ናይ ስደት ዋሕዚ ኣይክተርፍን'ዩ።
ተስፋ ዝግበር ዘሎ ግን ምስዚ ናይ ዶብ ሕቶ እቲ ናይ ሃገርና ዴሞክራሲያዊ ለውጢ'ውን ክታኣታቶ ተስፋ ንገብር። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ እቲ ናይ ስደተኛታት ኩነታት ብዘለዎ ኣይክቕጽልን'ዩ።
እዚ ውዕል ሰላም እንተዳኣ ቀኒዑ፡ መጻኢ ዕድል ናይቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ እንታይ ክኸውን'ዩ ኢልካ ትግምት?
ብኽልተ ዓይኒ ዝረአ እዩ፡ ሓደ ብተግባራዊ ክትርእዮ ከለኻ ከቢድ እዩ።
ብኽልስ ሓሳብ ክትሪኦ እንከለኻ ግን እቲ መንግስቲ ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ዘይብሉ ገይርዎ ዘሎ፡ በቲ ንሱ ዝብሎ ስግኣት ናይ ኲናት ስለዘሎ እዩ።
ኢትዮጵያ ክትወረና'ያ ስለዚ ንሃገርና ክንከላኸል ቅሩባት ክንኸውን ኣለና'ዩ' ዝብል።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም እንተነጊሱ እቲ ምኽንያት ኣልጊሱ'ሎ ማለት'ዩ። ስለዚ ነቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣብ ዘለውዎ ኩነታት ክትሕዞም ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ።
ክጣየሱ እንተኾይኖም ድማ ኣብ ኩነታት ናይታ ሃገር ዕድል ስራሕ፡ ትምህርትን ኩነታት መነባብሮን ክርከብ ኣለዎ።
ንሱ ክርከብ እንተኾይኑ ካኣ ምስዘን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ምስ ገበርቲ ሰናይ ተሓባቢርካ ጥራይ ኢኻ ክትገብሮ ትኽእል።
ንሱ ንኽትገብር ኻኣ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክመጽእ፡ ምርጫ ክካየድ፡ ናይ ምዝራብ መሰል ክፍቀድ ኣለዎ።
እተን ግብረ-ሰናያት እውን ንኽሰርሓ ነጻ ክኾና ኣለወን። እምበር መንግስቲ ኤርትራ ንበይኑ ነቲ ዝጣየስ እግሪ ከትክሎ ኣይክእልን'ዩ።
ኣዝዩ ዕሙቕ ዝበለ ናይ ቁጠብን ፖለቲካን ለውጢ እንተተኻይዱ እቲ ሃገረዊ ኣገልግሎት ፈጺሙ ከይተርፍ ይኽእል'ዩ ግን ደረት ዘይብሉ ምዃኑ ክተርፍ'ዩ።