እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዲስ ኣበባ መርካቶ ዝርከብ መስጊድ ኣንዋር ካብ ሓደጋ ባርዕ ድሒኑ
ትማሊ ረቡዕ ለይቲ ሰዓት 7፡30 (1፡30) ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣንዋር ከቢድ ጉድኣት ከየስዓበ ኣብ ቁፅፅር ዉዒሉ።
ይኹን ዳኣ'ምበር እቲ ባርዕ ሓዊ ብዙሕ ንብረት ከምዘዕነወ ተገሊፁ'ሎ።
ጉድኣት ዝበፅሖ ክፋል መርካቶ ብተለምዶ "የሴቶች በር" እናተብሃለ ዝፅዋዕ ስግር ቤተክስርትያን ራጉኤል እዩ።
"ጎንደር በረንዳ" ሲዲ ካሴታትን ኤለክትሮኒከስ ኣቑሑን ብበዝሒ ዝሽየጡሎም መደብራት ዝርከቡሉ ቦታ ከምዝኾነ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብ መእተዊ ቀፅሪ ሴቶች በር ዝርከቡ ኣገልግሎት ስብከት (ዳዕዋ) ዝህቡ ክፍልታት መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ዚንጎኦም ከምዝነደደ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣይተ ሙክታር መሓመድ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ልዕሊ ንብረት ካብ ዝበፅሐ ሓደጋ ብዝሰገረ፤ ኣብ ሰባት ዘጋጠመ መጉዳእቲ ከምዘየለ ኣብ በዓል-መዚ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባርዕን ሓደጋታትን ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሰለሞን መኮነን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መሸጢ ኢሌክትሮኒክስ፣ ዓለባ፣ መዓርን ጠስምን እቲ ሓዊ ንኽጋደድ ስለዝገበሩ ብምሉእ ከምዝዓነዉ ሓቢሮም።
ሕብረተሰብ ምስ 112 ሰብ-ሞያ ምቁፅፃር ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ተሓባቢሩ ነቲ ሓዊ ምቁፅፃር ተኻኢሉ።
መንቀሊ እቲ ሓደጋን ዘስዓቦ ጉድኣትን ምፅራይ እናተገበረሉ'ዩ።