እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማልታ ነታ ሂወት ኣማኢት ዘድሓነት መርከብ ላይፍላይን ኣብ ወደባ ክትዕሽግ ኣፍቂዳትላ
ኣብዚ ዓመት ጥራይ 16,000 ስደትኛታት ዝተቐበለት ሃገር ጥልያን ድማ ብፍላይ እዚ ሓድሽ መንግስት ካብዝመጽእ ንዝኾነት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ወደባ ከምዝዓጸወት ይፍለጥ።
እዚ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ቀንዲ ኣጀንዳ ክኸውን ከምዝኮነ ተፈሊጡ ኣሎ።
እታ 230 ስደተኛታት ካብ ሞት ዘድሓነት ላይፍላይን ዝተባህለት መርከብ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ቀላይ ምጽናሕ ኣብ ወደብ ማልታ ክትዕሸገ ክኢላ።
መንግስቲ ጥልያንን ፈረንሳን ነዛ ሂወት ኣማኢት ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ኣህጉራዊ ሕግታት ብምጉሳይ ሂወት ስለዘድሓነት ክኸስዋ ጸኒሖም።
ሃገር ማልታ ስጋብ ነቲ ጉዳይ ተጽንዕ፡ ነታ መርከብ ክትሕብሳ ምዃና ገሊጻ ኣላ።
ነዞም ሕጂ ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት ሃገራት ማልታ፡ ፈረንሳ፡ ኣየርላንድ፡ ጥልያን፡ ሌክሰመርግን ፖርትጉልን ከምስደተኛታት ክቕበልኦም ከምዝኾና ተፈሊጡ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ማልታ፡ ጆሴፍ ሙስካት ሃገሩ ነታ መርከብ ክትሕግዝ ዝኾነ ግዴታ ክመዘይብላን፡ ነታ መርከብ ኣብ ወደባ ክትዕሽግ ዘፍቀደትላ ድማ ካብ ሰብኣውነት ዝተላዕለ ከምዝኮነ ገሊጹ።
እታ በቐጻሊ መዓልቦ ናይ ከም ላይፍላይን ዝኣመሰላ ናይ ናይ ግብረሰናይ መራኽብ ዝኾነት ሃገር ጥልያን፡ ብፍልይ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ካብዝመጸእ ንድሓር፡ ንኸም ላይፍላይን ዝኣመሰላ መራኽብ ወደባታ ዓጽያ ከምዘላ ይፍለጥ።
ኣብዚ ወርሒ፡ ሓንቲ ካልእ ሂወት 630 ስደተኛታት ዘድሓነት፡ ኣኩዋርየስ ዝተብህለት መርከብ ሃገራት ማልታን ጥልያንን ወደባተን ስለዝዓጸዋላ ኣብ ቀላይ ንመዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ሃገር ፖርቱጋል ኣብ ወደባ ክትዕሽግ ኣፍቂዳትላ።
መርከብ ላይፍላይን ተልእኾኣ ኣብትፍጽመሉ እዋን ንኣህጉራዊ ሕግታት ብምጉሳይን ምስ ናይ ሊብያ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ምትሕብባር ብምእባይን ኢዮም ገለ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ዝኸስዋ።
እዚ ጉዳይ መርከብ ላይፍላይን፡ ኣብ መንጎ ማልታን ጥልያንን ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ምድሓን እቶም ስደተኛታት ዝተኮረ ኣይኮነን፡ ``እቲ ጉዳይ እቲ ሓለቓ እታ መርከብ ብኣህጉራዊ ሕጊ ምቕያድ ምእባዩ ኢዩ`` ኢሉ ቀዳማይ ምኒስተር ሙስካት።
እታ ናይ ግብረ-ሰናይ ስርሓት እተካይድ መርከብ ላይፍላይን፡ ነቲ ዝቐረበላ ክስታት ኩሉ ብምኽሓድ ኩሉ ምንቅስቓሳታ ስርዓት ዝሓለወ ከምዝኾነ ገሊጻ።
ናይ ሃገር ጥልያን ኣብያ ምቕባል ናይተን ሂወት ዘድሕና መራኽብ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ዝዓበየ ቅውሲ ኣብቲ ጉዳይ ኢዩ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 16,000 ስደተኛታት ዓዲ ጥልያን ክኣትው ከለው፡ ካብ 2014 ንድሓር ድማ ልዕሊ 600,000 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከምዛተው ይግለጽ። ነዚ ኣብ ግምት ብእታው ድማ ዓዲ ጥልያን ነተን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾና ሃገራት እጃመን ክወስዳ ኢዩ ድልየታ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት - ከም ፖላንድ፡ ሃንጋሪ፡ ቼክ ሪፑብሊክን ስሎቫክያን ድማ ነቲ ጥልያን ዘቕረበቶ እማመ ነጺገንኦ።
እዚ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ኣብቲ ሓሙስን ዓርብን ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ካብቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቲ ጉዳይ ``ኣዝዩ ኣካታዒ`` ከምዝኸውን ፕሬዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ፡ ዶናልድ ታስክ ገሊጹ።