ኣብ ሓንቲ ለይቲ ክልተ ኣንሽቲ ዝተመርዓወ ጎበዝ

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

ባሺር ሙሐመድ ይበሃል። ኣብ ሓንቲ ለይቲ ክልተ መርዑት ሒዙ ንገዝኡ ምእታው መዘራረቢ ኾይኑሎ።

ባሽር ንቢቢሲ እንትዛረብ፤ ፈለገይ ክኽተሉ እየ ዝምዕዶም ኢሉ።

እቲ ዘደንቕ ነገር ድማ ባሺር ቅድሚ ሓዳር እውን እንተኾነ ብሓደ እናፀወዐ እዩ ዝእንግደን ነይሩ።

"ንሓዲአን እኳ ኣየዳሉን። ማዕረ 'የይፈትወክን'የ' እየ ዝብለን" ብምባል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ተዛሪቡ።

በሽር ብሓደ ግዜ ንኽልቲኤን ምምርዓው ፀኒሑ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ምቅንናእ ከይህሉ ይሕግዝ እዩ ይብል።

በሽር ንምንታይ ክልተ ኣንሽቲ ከእቱ ከምዝደለየ እንትሕተት ድማ ብዙሓት ቆልዑ ከፍሪ ስለዝደሊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካልኦት ሰብኡት'ውን እኹል መናበሪ እንተድኣሃልዩዎም ኣሰሩ ክስዕቡ ምዒዱ።

ኣብ ሶማሊያ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንሽቲ ክህልወኦ ልሙድ እኳ እንተኾነ፤ ብሓደ ግዜ ንክልቲኤን ምምርዓው ግን ዘይተለመደ እዩ።

መርዑት በሽር ኢቅራን ኒሞን እየን ዝበሃላ።