እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኣቦይን ኣደይን ሓዊሱ ናይ 15 ስድራ ሬሳ ተፋሒሩ ወፂኡ"
ንጉሰ ሃይለስላሰ በርሀ ይበሃል። ሐዚ ወዲ 38 ዓመት እዩ። ሕምብርቲ ትግራይ እናተብሃለት ኣብ እትፅዋዕ: ንከተማታትን ዞባታትን ትግራይ እተራኽብ፡ ጎቦታት ገርዓልታ ሓቚፋ ኣብ ዝሓዘት ውቅብቲ ከተማ ከተማ ሓውዜን እዩ ተወሊዱ።
ሮቡዕ መፀት ዕዳጋ ሓውዜን ደመቐት ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ ደቂ ዓጋመ፡ ገርዓልታ፡ ዓይባ፡ ሓረማት፡ ፍረወይኒ፡ ነበለት ኮታስ ካብ ኩሎም ከባብታት ትግራይ ንሓውዜን ከቅንዕስ ክሽምትስ ይተምም፡ ሓደ ኾይኑ ድማ ይዉዕል።
ሮቡዕ 15 ሰነ 1980 ዓ.ም ግን ዝተፈለየት ነይራ። ነፈርቲ ውግእ ደርጊ ካብ ሰዓት 5፡30 ጀሚረን ንሰዓታት ኣፅዒቐን እናተባረያ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ህዝቢ ጭካነ ዝተመልኦ ባሩድ ኣውሪደን።
ብስዋ ፍሰስ ተፋሰስ ተሓፂባ ትውዕል ዝነበረት፡ ዕዳጋ ሓውዜን ብደም ተሓፂባ፡ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 2500 ህዝቢ ሃሊቑ።
ንጉሰ'ውን በቲ እዋን ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ እዩ ነይሩ። እዚ ኹሉ ግን ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመታት ካብ ሕልንኡ ኣይጠፍእን።
"ንእሽተይ ቆልዓ እየ ነይረ። ይኹን'ምበር ኩሉ ካብ ሕልናይ ኣይጠፍእን" ይብል እቲ ጥፍኣት ምዝካሩ እናፅለኦ።
ወለዱ ንእሽቶ እንዳ ሻሂ ነይራቶም። ከም መብዛሕትኡ ነባሪ ድማ ካብ ኣየር መሕብኢ ትሕቲ ምድሪ ጉድጓድ ኩዒቶም ኣዳልዮም ነይሮም። ይኹን'ምበር እቲ ጉድጓድ መድሐኒኦም ዘይኮነስ መቃብሮም ኮይኑ ውዒሉ።
"ወለደይ ኣብቲ እንዳ ሻሂ ኮይኖም ንዓና ቆልዑ ስለዝነበርና ኣቐዲሞም ናብቲ ጉድጓድ ኣቲና ተሓቢእና። ድሕሪ እቲ ደብዳብ፡ ኣቦይ ፡ ኣደይ ሓፍትነይ ሓው ኣኮታተይ ሓዊሱ ናይ 15 ሬሳ ተፋሒሩ ወፂኡ" ክብል ይዝክር።
ከመይ ዓብዩ?
ኣብ ሓውዜን ምውትን ብህይወት ዘሎን ምፍላይ ክሳብ ዘፀግም፡ ደም እንስሳን ሰብን ተሓዊሱ ከም ውሕጅ ስሉሕ ወረደ።
"ድሕሪኡ ንምሸቱ ሰዓት 12 ኣቢሉ ተፋሒርና ከባቢ 15 ብህይወት ተረኺብና" ዝብል ንጉሰ እቲ ገዛ ሙሉእ ንሙሉእ ተቓጺሉ ከምዝዓነየ ይዛረብ።
ክልተ ዓበይቲ ፡ ክልተ ድማ ኣናእሽቱ ኣሕዋቱ፡ ምስኡ በይኖም ተሪፎም። ካብ ገጠር ዝመፅኡ ቤተሰቦም እዮም ፍሒሮም ኣውፂኦም፤ ንገጠር ድማ ወሲዶሞም። እቶም ክልተ ምንኣሳቱ ብዙሕ ውነ ዘይገበሩ ህፃውንቲ እዮም ነይሮም።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ግና፡ ኣብ ከተማ ዓድግራት ይነብራ ዝነበራ ዓባዮም (ኣደ እምበይትኦም) ወሲኢደንኦ ትምህርቱ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝበጽሕ ንሓሙሽ ዓመት ምሰኣን ተቀሚጡ።
"ካብኡ ግን ንሓውዜን ተመሊሰ እናሰራሕኹ ተማሂረ" ይብል።
ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ሓገዝ ከምዘይተገበረሉ ይዛረብ።
ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ምስ በፅሐ ዝሕግዞ ስለዝሰኣነ ትምህርቲ አቋሪፁ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተገዲዱ።
እንታይከ ይሓልም?
ንጉሰ ኣብ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣብ 'ማሺን' ኳዕቲ ጉድጓድ እዩ ዝሰርሕ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን'ዩ።
ኣብ ስድርኡ ዝበፅሐ ስብራት ኩሉ ግዘ ካብ ሕልንኡ ዘይጠፍእ'ኳ እንተኾነ ንደቁ ግና እዚ ታሪኽ ፈፂመ ኣይዛረቦምን ይብል።
"ደቀይ እዚ ክፍኣት ሒዞም ክዓብዩ ኣይደልን። ንፁህ ኣእምሮ ሒዞም ክዓብዩ እየ ዝደሊ" ይብል።
ናይ ቀትርን ለይትን ሕልሙ፤ ደቁ እቲ ንሱ ዝረአዮ መከራ ከይረእዩ ክመሃሩን ብፅቡቕ ክባፅሕሉን እዩ። "ዓላማይ ደቀይ ንዓድን ንህዝቦምን ዝጠቕሙ ኮይኖም ክዓብዩለይ እዩ"።
"ጉዱኣት ኣለኒ፡ ኣብ ርእሰይ "
ኣብ ባዕሉን ቤተሰቡን ዝበፅሐ መዓት ኣብ ዝኾነ ፍጡር ከይድገም ናይ ኩሉ ግዘ ናይ ንጉሰ ፀሎት'ዩ።
ይኹን'ምበር ሓደ ቅር ዝብሎ ነገር ኣሎ። ብ2003 ብዓሌታዊ ደብዳብ ሓውዜን ጉዳይ ዝተኸሰሱ በዓል ኮነሬል ለገሰ ኣስፋው መንግስቲ ብምሕረት እንትፈትሕ ንንጉሰ ሓዊሱ ብዙሕ ህይወት ቤተሰቦም ዝሰኣኑ ፡ አካሎም ዝጎደሉ ከየማኸረን እሂን ምሂን ከይበለን ምዃኑ የሕዝኖ።
"ቅድሚኡ ብሕጊ ስለዝተትሓዙ ምንም ኣይስመዐንን ነይሩ። ምሕረት እንትገብረሎም ግን ንዓና ንተበደልቲ ከየማኸረ ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ኣይርደአንን" ብምባል ሎሚ'ውን ቅረትኡ የስምዕ።
"ካሊእ ዘይኮነስ ናይ ህሊና ካሕሳ የድልየና ነይሩ። ዓሌት እዮም ኣብሪሶም። ንዓሌት ዘብረሰ ምሕረት ሂብካ ነቲ ዝበረሰ ዳግማይ ምብዳል ኣይምተገበአን" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።
"ጉድኣት ኣለኒ ኣብ ርአሰይ" ይብል።