እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ንተበግሶ ሰላምን ምላሽን መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሞጒሱ
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ ነቲ ዝርአ ዘሎ እወንታዊ ምዕባለታት ድጋፉ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ብ 5 ሰነ 2018 ንስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ቅሩብነታ ምግላጻን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ 20 ሰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ከምዝብገስ ምሕባሩን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ አሕመድ ሓንጎፋይ ምባሉን ከም ዘሐጉሶ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣቶ ሙሳ ፋኪ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ እዞም መራሕቲ ንዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ክንእድ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ምትሕግጋዝን ጉርብትናን ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ነዚ መገዲ ክዕቅብዎ ተላብዩ።
ኣብ 'ዘን ክልተ ሃገራት ዝህሉ ሰላም ኣብቲ ዞባ ኮነ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ንሰላምን ጸጥታን ከምኡዉን ንምዕባለን ምዉህሃድን፡ ዝህልዎ ኣወንታዊ ጽልዋ ዓቢይ ምኻኑ'ዉን ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ነቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2013 ዝተሰማምዑሉ፡ 'ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዘሎ ኩሉ ምግርጫዉን ኲናትን ኣብ 2020 መዕለቢ ምርካብ' ዝብል ሽቶና ዝህልዎ ተራ ዕዙዝ ኢዩ ይብል።
ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምቅርራብ እዘን ክልተ ኣባል ሃገራት ዘድሊ ሓገዛት ንምግባር ድልዉ ምሕላዉ ይሕብር።