እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልጀርያ ኣብ እዋን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ፈተና፡ ኢንተርነት ተቋሪጹ
ኣብ ኣልጀርያ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ መርመራ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ።
ናይ ተንቀሳቓስን ቀዋምን መስመራት ኣግልግሎት ኢንተርኔት፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ መርመራ ኣብ ዝካየደሉ፡ ክጠፍእ ኢዩ።
እዚ ዉጥን፡ ምቅድዳሕ ንምግታእ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ክሕበር ከሎ፤ ግብረመልሲ ነቲ ኣብ 2016 ብብዝሒ ዝተራእየ፡ ኣብ እዋን መርመራ ሕቶታት ምልሓዂ ኢዩ።
እቲ ናይ መርመራ ቅነ ክሳብ ዝዉዳእ ንሓሙሽተ መዓልታት ድማ ክቕጽል ኢዩ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣገልግሎት ክቆርጽዎ እኳ እንተሓተቱ ኣዕጋቢ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ይግለጽ።
ኣገልግሎት ፌስቡክ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንሓደ ሰሙን ክቋረጽ ምዃኑ ሚኒስተር ትምህርቲ ኑርያ በንጋብሪት ንጋዜጣ ኣናሃር ሓቢራ።
ንሳ ወሲኻ ወላ'ኳ እቲ ዉሳነ "ባህ ዘየብል ተኮነ፡ ነቲ ሓደጋ ሱቕ ኢልና ክንርእዮ ኣይግባእን" ኢላ።
ብዘይካ'ዚ ኩሉ ዓይነት ኢንተርነት ከራኽብ ዝኽእል ኤለክተሮኒካዊ መሳርሒ፡ ተምሃሮ ኮኑ መማህራን ናብቲ መርመራ ዝኻየደሉ ኣዳራሻት ከይማልኡ ተኸልኺሉ ኣሎ።
ኣብቲ ነቲ ሕቶታት ዝሐዙ ወረቓቕቲ ኣብ ዝተሓተምሉ ኣብያተ ማሕተም 'ዉን ካሜራታት ተተኺለን ከም ዝነበራ እታ ሚኒስተር ሓቢራ።
ኣብዚ ሰሙን ይወሃብ ንዘሎ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ መርመራ ልዕሊ 700 ሽሕ ተማሃሮ ክወስድዎ ከለዉ፡ እቲ ዉጽኢት ኣብ ሓምለ 22 ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።