ኣውስትራልያ፡ ኣፕል ንዓማዊሉ ብምትላሉ 6.5 ሚልዮን ዶላር ተቐጺዑ

ቤት ፍርዲ ኣውስትራሊያ ትካል ቴክኖሎጂ ኣሜሪካ ንዝኾነ ኣፕል ብሳልሳይ ኣካል ምትዕርራይ ንዝተገብረለን ፍርያቱ ንዝኾና ኣይፎንን ኣይፓድን ምጽጋን ብምእባዩ 6.5 ሚሊዮን ዶላር ክኸፍል ቀጺዕዎ።

ኣብታ ሃገር ንመሰል ዓደግቲ/ተጠቀምቲ ዝጣበቕ ኣካል፡ ካብ ዓደግቲ ብዝቐረበሉ ጥርዓን መሰረት ዓሚ ነቲ ኣሜሪካዊ ትካል ናብ ቤት ፍርዲ ወሲድዎ።

ኣፕል ን275 ሰባት ኣብ ዝዓደግዎ ንብረት ንምጽጋንን ንምቕያርን ብዛዕባ ዘለዎም መሰል ከምዘታለሎም ተኣሚኑ።

ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣውስትራሊያ ድማ በዚ ምትላል`ዚ ንኣፕል ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ።

እቲ መርመራ ነቲ ናይ ኣፕል `ጌጋ ቁጽሪ 53` (ኤረር 53) ዝተባህለ መልእኽቲ ስዒቡ`ዩ ተበጊሱ። ተጠቀምቲ ኣብ ንብረቶም ሶፍትዌር ምስ ጸዓኑ (ዳውንሎድ ምስ ገበሩ) እቲ ናይ ጌጋ መልእኽቲ ነተን ኣይፎንን ኣይፓድን ከምዘይሰርሓ ይገብረን። ተጠቀምቲ ንብረቶም ክጽገነሎም ኣብ ዝሓትሉ እዋን ግን ኣፕል ንብረትኩም ብሳልሳይ ኣካል ተጸጊነን ነይረን`የን ብዝብል ምስምስ ምጽጋን ከምዝኣበዮም ናይ`ታ ሃገር ኮምሽን መሰል ዓደግቲ ኣፍሊጡ።

ዋላ`ኳ እቲ ብሳልስይ ኣካል ዝተገብረ ጽገና ምስቲ ጌጋ ዘይዛመድ ከም ምቕያር ቬትሮ (ስክሪን) ዝእመሰለ ቀሊል ጽገና እንተኾነ፡ ኣፕል ግን ክትሓባበሮምን ክጽግነሎም ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

`ዋላ`ኳ እቲ ኣይፎን ይኹን ኣይፓድ ብሳልሳይ ኣካል ተጸጊኑ ይንበር፡ ውሕስነት መሰል ተጠቀምቲ ክነፍግ የብሉን` ኢሉ እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ኮሚሽነር ናይቲ ተጣባቒ ኣካል ሳራ ኮርት ሓቢራ።

ድሕሪ`ቲ ፍርዲ ድማ ኣፕል ንኣስታት 5,000 ዓማዊል ክኽሕሶም ምዃኑ ሓቢርዎም ኣሎ።

ኣፕል ኣብ 2016 እውን ብምኽንያት ጌጋ ቁጽሪ 53 ክጽግንን ክኽሕስን ተገዲዱ ነይሩ`ዩ።