እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ንምድላዉ ሓድሽ ኣሰራርሓ ክህሉ ትጠልብ
ሞሮኮ ን2026 ዋንጫ ዓለም ኣብ ሃገራ ንኸተአንግድ ተወዳዲራ ድሕሪ ምስዓራ ስዒቡ፡ ፊፋ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ዝህቦ ዕድል፡ ብዙሕ ክኸውን ኣፈሪቃውያን ሕቶ ኣቕሪቦም።
ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሞሮኮ፡ ድሕሪ ሸሞንት ዓመት ንዝካይድ ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ብጥምረት ንኸአንግዳ ዝተወዳደራ ሜክሲኮ፡ ካናዳን ኣመሪካን ድሕሪ ምውድዳራ ብ 134 ብ 64 ድምጺ ከምዝተሳዕረት ይዝከር።
በዚ ውጽኢት ዘይተሓጎሱ ኣፍሪቃውያን ካልእ ኣማራጺ ፈጢሮም ኣለዉ እዚ ድማ"ውድድር ዋንጫ ዓለም ንምድላው ብዙር ( ብሪጋ ) ክኽውን ኣለዎ" ክብል ፕረዚድንት ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ማሊ ዋልተር ኒያሚላንዱ ተዛሪቡ።
ኣቀዲሞም ካብ ዝተኻይዱ 23 ውድድራት ዋንጫ ዓለም፡ ኣፍሪቃ ሓንሳብ ጥራይ'ያ ናይ ምእንጋድ ዕደል ረኺባ፡ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዚ ዋሕዲ ኮታ ሕቶ ከልዕል ክኢሉ'ሎ።
ቅደሚ ሸሞንተ ዓመታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ንኸተእንግድ ዕድል ዝረኸበት፡ ፊፋ ንምእንጋድ ብዙር ( ብሪጋ ) ክኸውን ፈቂዱ ስለዝነበረ'ዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ምስ ጀርመን ተወዳዲራ ብጸቢብ ድምጺ ድሕሪ ምስዓራ፡ ናይ ፊፋ ፕረዚደንት ዝነበረ ሰር ብላተር ናይ ምእንጋድ ዕድል ብዙር ከኽውን ስለዝውሰነ'ዩ ናይ ምእንጋድ ዕድል ዝተወሃባ።
እዚ ሕቶ ብኸምዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ናይ ምእንጋድ ዕድል ንኣህጉራት በብሪጋ ንኽበጽሐን ዘኽእል ሕጊ ተግባራዊ ንኽኸውን ፊፋ ዳግማይ ከምዝርእዮ ይንገር ኣሎ።
" ውድድር ዋንጫ ዓለም ማለት ንኹዕሶ እግሪ ናብ ህዝቢ ምምጻእ ክሳብ ዝኾነ፡ ፊፋ ነዚ ሓሳብ ክቕበሎ'ዩ ኢለ'የ ዝሓስብ" ክብል ሓደ ናይ ኣፍሪቃ ኩዕሶ እግሪ ፈጻሚ ስራሕ ንቢቢሲ ሰፖርት ተዛሪቡ።
" ኣብ ዓለም ኣብ ሞንጎ ሃገራት ናይ ደረጃ ፈልልይ ኣሎ፡ ስለዚ ነዚ ውድድራ በሪጋ ንምድላው ዘኽእል ሕጊ ክንደፍ ኣገዳሲ'ዩ፡ ኣብዚ ምርጫ ሞሮኮ ዝረኸበቶ ድምጺ ነዚ ሓቂ'ዚ'ዩ ዘርኢ" ክብል ይውስኽ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ኩዕሶ እግሪ ፈጻሚ ስራሕ ዘረብኡ ይውስኽ።
ሞሮኮ፡ ድሕሪ ሸሞንት ዓመት ንዝካይድ ዋንጫ ዓለም ንምእንጋድ ምስ ብጥምረት ነኸአንግዳ ምስ ሞሮኮ ኣብ ውድድር ዝኣተዋ ኬክሲኮ፡ ካናዳን ኣመሪካን ድሕሪ ምስዓራ ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምሃብ ድምጺ ዝነበሩ ሓያለ ወከልቲ ኣፍሪቓውያን ሃገራት ፡ ኣፍሪቓ ብድሕሪ ሕጂኸ ናይ ምእንጋድ ዕድል እምበርዶ ክበጽሓ'ዩ? ዝብል ሕቶ ፈጢሩሎም'ዩ።