ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ካናዳ፣ ሜክሲኮን ኣሜሪካ ንሞሮኮ
ዋንጫ ኣለም 2026 ሃገራት ኣሜሪካ፣ ሜክሶኮንካናዳን ብሓባር ከተኣናግድኦ እየን። ኣብዚ ተሓጽያ ቐሪባ ዝነበረት ሞሮኮ ተረቲዓ።

ጥምረት "ሕብረት 2026" ብኣባል ሃገራት ፊፋ ዝተመረጸ እንትኾን፤ ሰለስቲኤን ሃገራት 134 ድምጺ እንትረኽባ ሞሮኮ 65 ረኺባ።
ዋንጫ ዓለም 2026 48 ጋንታታትን 80 ጸወታታትን ዘተኣናግድ ኮይኑ ንልዕሊ 34 መዓልታት ክጸንሕ'ዩ።
"ኩዕሶ እግሪ ብሕታዊ ሰዓራይ'ዩ። ኩልና ድማ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ሕቡራት ኢና" ኢሉ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኣሜሪካ ካርሎስ ኮርዴሮ።
ሜክሲኮን (ኣብ 1970ን 1986ን) ኣሜሪካን (1994) ዋንጫ ዓለም ኣአንጊደን ነይረን'የን።
ካናዳ ድማ ኣብ 2015 ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኣተኣናጊዳ።
ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኣሜሪካ ካርሎስ ኮርዴሮ ጥምረት እዘን ሃገራት 14 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘርክብን ፊፋ 11 ቢሊዮን ዶላር ኸስቢ ክረክብን ከምዝሕግዞ ተዛሪቡ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
16 ግጥማት ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ እንትካየዱ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ድማ ነፍሲ ወከፈን 10 ግጥማት ከተኣናግዳ እየን።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም "ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን እንኳዕ ደስ በለክን። እቲ ዝነበረ ከይዲ ድማ ግልጽን ተኣማንን ከምዝነበረ ንቕበል" ኢሉ።
ንሓምሻይ ግዘ ዕድል ዘምለጣ?
ሓሙሽተ ግዘ ተጣሚረን፤ ንሃመዕሳይ ግዜ ድማ ንሞሮኮ ተሪዐን ዋንጫ ዓለም 2026 ከአንግዳ'የን።
ቅድም ኢሉ ግብረ ሓይሊ ግምገማ ጥምረት ፊፋ ሕቶ እዘን ሰለስተ ሃገራት ተቐቢሉ ኣጽዲቑ'ዩ።
- ጸወታታት ኣብ 14 ስታዲየማት ዝካየዱ ኮይኖም፡ እቶም 9 ህንጸት የድልዮም። እዚ ድማ ኣብ 12 ከተማታት'ዩ።
- ኩለን ዘተኣናግዳ ከተማታት ካብ ካሳባላንካ 550 ኪሎ ምትር ራዲየስ ርሒቐን ይርከባ
- እዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ድሕሪ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ካልኣይ ክኸዉን'ዩ
- ሞሮኮ ቻምፒዮንሺፕ ሃገራት ኣፍሪቃ 2018 16 ጋንታታት ዘተኣነገደት ኮይና፡ ኣብ 2013ን 2014ን ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ኣተኣናጊዳ'ያ
ሎም መዓልቲ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 68 ኣኼባ ጉባኤ ፊፋ ምርጫ ኣአንጋዲት ሃገር ዋንጫ ዓለም 2026 መበል 13 ኣጀንዳ ፊፋ ነይሩ።
ዋንጫ ዓለም 2026?
ጋዜጠኛ ስፖርት ቢቢሲ ሪቻርድ ኮንወይ
ንዓመታት ካብ ዝነበረ ተሞክሮ ጸብጻባት ፖለቲካ ፊፋ፡ ገንዘብ ዓብዪ ጸወታ ከምዝጻወት ተማሂረ።
ንዋንጫ ዓለም 2026 ዝግበር መረጻ ካብ ኢድ ኣናአሽቱ ሓለፍቲ ስራሕ ፊፋ ወጺኡ ን211 ኣባላት እቲ ማሕበር ብሓደራ ተዋሂቡ ኣሎ። ስግኣት ግዕዝይና ክንኪ ድማ ትጽቢት ይግበር።
ገንዘብ ካበይ'ዩ ዝመጽእ?
ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ፊፋ 11 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኸስብ ቃል ኣትየን እየን። እዚ ካብ ሞሮኮ ምስ ዝርከብ ከባቢ 6 ቢሊዮን ዶላር እንትነጻጸር እቲ ዝለዓለ'ዩ።
ከምዚ ዓይነት ገንዘብ ንዓመታት ኣናኣሽቱ ማሕበራት ስፖርት ቐጻልነት ክረኽባን ግጥማት ከስፍሓን ዕድል ዝፈጥር'ዩ ዝብል ክርክር የልዕል'ዩ።
ስለዝኾነ ካብ ሓደጋ ናጻ ዝኾነ ኩነታት ንምፍጣር ኣብዘን መሰረተ ልምዓት ዝተማልኣለንን ስታዲየም'ዉን ሃኒጸን ዘዳለዋ ሃገራት ክኸዉን ይምረጽ።
እንተኾነ ግና ኣብ እንዳ ፊፋ ገንዘብ'ዩ ዝዛረብ። ሎሚ ሮቡዕ'ዉን እዚ ክድገም'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







