ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን፡ ኮንጓዊ 'ገበነኛ' ክፍታሕ ኣዚዙ

ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን (ኣይ.ሲ.ሲ.) ንምኽትል ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ነበር ዠን ፒየር ቤምባ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ኣዚዙ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዳያኑ ኣንጻር መሰል ደቂ ሰባት ገበን ኩናት ፈጺሙ ብዝብል ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ቤምባ ንዝሓለፈ ፍርዲ ኣፍሪሶሞ።

ቤምባ ብተወሳኺ ንመሰካኽር ጉቦ ሂብካ ብዝብል ገበን ተኽሲሱ ከምዘሎ ይፍልጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጉዳይ ፍርዱ እናተጸበየ ኣብ በልጅዩም ምስ ዝርከቡ ስድሩኡ ክጽንበር እቲ መጋባእያ ወሲኑሉ'ሎ።

እቶም ዳያኑ ከምዝበልዎ፤ ቤምባ ድሮ ካብ ንመሰኻኽር ጉቦ ምሃብ ንላዕሊ ከስዕበሉ ዝኽእል ዝለዓለ ቅጸዓት ማእሰርቲ ነቲ 80 % ዝኣክል ከምዘገልገለን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

እቲ መራሒ ዓማጺ ጉጅለ ነበር፡ ብ 2008 ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን ትእዛዝ ማእሰርቲ ምስኣሕለፈሉ ኣብ በልጅዩም እንከሎ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ።

ዝተኸሰሰሉ ምኽንያት ድማ፡ ንሱ ዝመርሖም ወተሃደራት ኣብ ጎረቤት ሃገር ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ብ 2002 ከምኡ ድማ 2003 መቕተልትን ጾታዊ ዓመጽን እንክፍጽሙ ደው ከብሎም ብዘይምኽኣሉ'ዩ።

ፒየር ቤምባ፡ ኣብ 2016 ገበነኛ ተባሂሉ ን 18 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝሓለፈ ብይን ውዱቕ ንምግባር፡ ቤምባ ብዝገበሮ ነዊሕ ጻዕሪ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ናጻ ተባሂሉ።

ኣምነስቲ እንተርናሸናል ነዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ እቶም "ግዳያት ዘሰንብድ ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን" ዝወረደ ማህረምቲ እዩ ክብል ነቲ ውሳነ ኮኒንዎ።

ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን ፋታው በንሱዳ "ዘጣዕስን ዘጉሂን እዩ" ክትብል ነቲ ውሳነ ገሊጻቶ።

ብተወሳኺ ፒየር ቤምባ፡ ንመሰካኽር ጉቦ ብምሃብን ደይመደይ ኢሉ መርትዖታት ብምጥፋእን ክሲ ን4 ሓምለ ክፍረድ'ዩ።

ናይ ቤምባ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሕ ኣብ ፖለቲካ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽል ይዝረብ።

  • ኣብ 1998 ብኡጋንዳ ተሓጊዙ ደባይ ተወጋእቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መስሪቱ
  • ብ2003 ብስምምዕ ሰላም ምክትል ፕረስደንት ተሸይሙ
  • ኣብ 2006 ኣብ ፕረስደንታዊ ምርጫ ብፕረስደንት ጆሰፍ ካቢላ ተሳዒሩ
  • 2007 ድሕሪ ዕግርግር ኪንሻሳ ንበልጅዩም ሃዲሙ
  • ኣብ 2008 ኣብ ብራስለስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ
  • 2016 ገበን ኣንጻር መሰል ደቂ ሰባት ብዝፈጸሞ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ
  • 2018 ፍርዱ ከም ብሓድሽ ተላዒሉ