እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ባርሰሎና ብዘይ ረጂ ክሕንብሳ ኣድሚጸን
ኣብ ከባቢ ባርሰሎና እትርከብ ዓዲ፡ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሽምጥና ንላዕሊ ጥራይና ኣብ ህዝባዊ መሐንበሲታት ክንሕንብስ ይፈቐደልና ዝብል ሕቶአን ተቐባልነት ረኺቡ።
እዚ ጉዳይ ንምዉሳን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 61 ሚኢታዊት እቶም ነበርቲ"መሰለን'ዩ" ዝብል ድምጺ ክህባ እንከለዋ 30 ሚኢታዊት ከኣ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጸን።
ሓለፍቲ ካታሎንያ ነቲ ምርጫ ከምዘካየድዎን፡ ውጽኢት ምርጫ ሕጋውን ቀያድን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፋ 16 ዕድመ ንላዕሊ ክኸውን እንከሎ 379 ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን።
ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ፖሊስ ካብ ሽምጢ ንላዕሊ ጥራየን ዝሕምብሳ ዝነበራ ክልተ ደቂኣንስትዮ መሐምበሲ (ቢኪኒ) ክለብሳ ምስ ኣገደደን'ዩ እተን ደቂ ኣንስትዮ ምርጫ ክካየድ ዝጠለባ።
ሽዑ እቲ ጉዳይ ተቓውሞ ኣስዒቡ ነይሩ። ነተን ፖሊስ ክዳን ክገብራ ዘገደደን ደቂ ኣንስትዮ ብምድጋፍ ነበርቲ እቲ ኸባቢ፡ ደቂ ተባዕተዮን ደቂ ኣንስትዮን ጡብ ዝተስኣሎ መሐምበሲ ክዳን (ቢኪኒ) ተኸዲኖም ተቓውሞኦም ምግላጾም ዝዝከር እዩ ።
እዛ 8,000 ተቀማጦ ዘለዋ ዓዲ ካብ ባርሰሎና 35 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ።