ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ፅላል እንታይ ክገብር ኣተወ?

ሪፈራል ሆስፒታል ፈለገ ህይወት ባሕር ዳር

ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ሪፈራል ሆስፒታል ፈለገ ህይወት ፅላል ሒዞም ሕክምና ዝገብሩ ሰብሞያ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስረኣዩ፤ ሰባት "ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ፅላል እንታይ ክገብር ኣተወ?" ክብሉ ተገዲዶም።

ናሕሲ እቲ ክፍሊ ማይ የልሑኽ። በቲ ነዃል ከኣ ዝናብ ይኣቱ። ሓካይም መጥባሕቲ እንተካይዱ ዝናብ ከይርብሾም ብፅላል ይከላኸልዎ።

ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ክልተ ግዜ ፅላል ተታሒዝሉ ሕክምና ከምዝሃበ ይዛረብ።

እቲ በዓል ሞያ ከምዝብሎ፡ ነቲ መጥባሕቲ ዘተሓባብራ ኩለን ነርስታት ወይ ከኣ ሰለስቲአን ፅላል ይዝርገሓ። ካብ ገዝአን ንሆስፒታል ዘርጊሐንኦ ዝመፃ ፅላል ካልእ አገልግሎት ድማ ይህብ። እቲ ኹነታት ንሰብሞያ ጥዕና ጥራይ ከይኮነስ ንተሓከምቲ እውን ኣይወሓሎምን።

"ብኸምዚ መጥባሕቲ ካብ ክግበረልናስ ምተረፈና ዝብሉ ኣለዉ። ውሕስነት ኣይስመዖምን" ይብል 'ቲ ሓኪም። ዘዘራረብናዮም ሰራሕተኛታት እቲ ናሕሲ ማይ ምልሗኽ ካብ ዝጅምር ክልተ ወርሑ፤ ብተደጋጋሚ እኳ ቅረታ እንተቕረቡ መፍትሒ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

"ዝናብ ጥብ ብዝበለ ቁፅሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ፅላል ዘርጊሕካ 'ዩ ዝስራሕ። ዝናብ ብዝመፀ ቁፅሪ ንሕና ንስከፍ፡ ንተሓከምቲ ድማ ኣፀጋሚ'ዩ። ክፍሊ መጥባሕቲ ፅሩይ ክኸውን ኣለዎ። ሕሙማት ክነድሕን ኢና ኢሎም ክልተ ሰባት ንረኽሲ ተቓሊዖም'ዮም። ሞት እውን ከስዕብ ይኽእል። ብዛዕባ'ቲ ፀገም ዋላኳ እንተተዛረብና፤ ካብ ቢሮ ጥዕና ጀሚሩ መፍትሒ ኣይሃቡናን" ይብሉ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮም ሚዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር መልካሙ ባዬ ከምዝብልዎ ግን ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ማይ ዝለሗኸ ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራይ 'ዩ።

ነቲ ፀገም ብግዚያዊነት ንምፍታሕ ፅገና ከምዝተገበረን ብዘላቅነት መፍትሒ ንምሃብ ድማ ሙሉእ ሕድሳት ከምዘድልን ይዛረቡ።

እቲ ሆስፒታል ናይ ቀደም ምዃኑ መንቀሊ እቲ ፀገም እዩ ይብሉሞ "ቢሮ ጥዕና ይሰርሖ ዘሎ ህንፃ ምስተወደአ መፍትሒ ክረክብ 'ዩ" ይብሉ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ዶክተር አበባው ገበየ ብወገኖም "ኣብቲ ሆስፒታል ፅላል ተዘርጊሑ መጥባሕቲ ኣይተገበረን። ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝንዛሕ ዘሎ ወረ ሕሶት'ዩ" በሃሊ'ዮም።

ምላሽ 'ቶም ሓካይምን ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታልን ምስ ምላሽ ዶክተር አበባው ዝፃረር እዩ።

ፅላል ተዘርጊሑ መጥባሕቲ እንትካየድ ዘርኢ ስእሊ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ክቀባበሉዎ ቀንዮም።

መጥባሕቲ ኣብ ከዉሊ ጽላል

ስሙ ከይጥቀስ ዝደለየ ሓኪም "እቲ ፀገም ክልተ ኣዋርሕ ኣቑፂሩ" ይብሉ።

እቲ ሜዲካል ዳይሬክተር ናይ ሓደ መዓልቲ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ተፈቲሑ ድማ እንትብል፤ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ተረኺበ ከምዝረኣኽዎ ዋላኳ እቲ ፀገም ንሓደ መዓልቲ ኣጋጢሙ እንተነበረ ፅገና ተገይርሉ እዩ ይብል።

ኣብቲ ሆስፒታል ካልኦት ፀገማት 'ውን ከምዘለዉ ይዝረብ።

ሕፅረት ኦክስጅን

ቅድሚ ሕዚ እቲ ሆስፒታል ሕፅረት ኦክስጅን ገጢምዎ ነይሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ፤ ብሕፅረት ኦክሲጅን ሾመንተ ሕፃናት ምሟቶም ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር መልካሙ ይዛረቡ።

"ንኦክስጅን ዝወፅእ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ብመሸጣ ገይርናዮ ኣለና እንትበሃል፤ ገንዘብ ዘለዎም ጥራይ ክጥቀሙ ዘይብሉ ግን ኣማራፂኡ ሞት ጥራሕ ክኸውን ግድን ኮይንዎ" ክብል ኣብቲ ሆስፒታል ልምምድ ዝገብር ተምሃራይ ይዛረብ።

ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ዘስዓቦ ምዕፃው መገዲ ኣብቲ ሆስፒታል ሕፅረት ኦክስጅን ክፍጠር ምኽንያት ከምዝኾነ ዝጠቆመ እቲ ዳይረክተር፤ እዚ ፀገም ኣብ ቀረባ ግዜ ዕልባት ከምዝረኸበ ይዛረብ።

"ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ እቲ ሆስፒታል ናይ ባዕሉ መዳለዊ ኦክስጅን ክህልዎ እዩ" ኢሉ ተስፋ ይገብር።

ብሕፅረት ኦክስጅን ኣዐርዩ ዝተጎድአ ክፍሊ ህፃናት እዩ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ክፍሊ ሕፅረት መሞቒ 'ውን ኣሎ። እቶም ስሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ሓኪም፤ ቁፅሪ ኢንኩቤተርን ብዝሒ ዝውለዱ ህፃውንትን ከምዘይመጣጠን የረድኡ።

"ብሓደ ግዜ ሙቐት ዝረኽቡ ህፃናት ሓሙሽተ እዮም። ግን ከኣ ሓደ መሞቒ ንሓደ ህፃን ጥራሕ 'ዩ ክኸውን ዝነበሮ" ይብሉ።

ህፁፅ ሕክምና ንዘድልዮም ቆፀሮ?

ፀገም ጥዕና ገጢምዎም ናብቲ ሆስፒታል ዝኸዱ ተሓከምቲ ንድሕሪ ሰሙናት ዋላውን ንኣዋርሕ ቆፀሮ ይወሃቦም። ሰበይቶም ሓሚማቶም ከላዕሉ ናብቲ ሆስፒታል ዝኸዱ ውልቀሰብ ከምዝነገሩና እንተኾይኑ፤ እቲ ፀገም ኣገልግሎት ንምርካብ ንሰሙናት ምፅባዮም ጥራሕ ኣይኮነን።

"ምርመራ ላብራቶሪ ከስርሕ ሰሙን ገይረ። ይትረፍ ዶ ኣገልግሎት ክህቡናስ ናብቲ ላብራቶሪ እንተተፀጊዕናኳስ እናደፍኡ 'ዮም ዘባርሩና" ብምባል የማርሩ።

ኣብዚ ብዙሓት ተሓከምቲ ዘተኣናግድ ሆስፒታል ዓራት እኳስ ዘይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ ባይታ ደቂሶም መድሓኒት ዝወስዱ ሕሙማት ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።

ኣብ ባይታ ዝድቅሳ ሓራሳት ኣዴታት ውሑዳት ኣይኮናን። ኣዴታት ወሊደን ዝፅበየን ክንክን እንተይኮነስ ሓባጥን ጎባጥን ባይታ ምዃኑ መሰከፊ እዩ ይብሉ ተገልገልቲ።

መጥባሕቲ ዝተገበረሎም ተሓከምቲ'ውን ክሳብ ዘሓውዩ ዝድቅስሉ ክፍሊ ስለዘየለ፤ መብዛሕተኦም ፎቖዶ ብራንዳን ኮሪደርን ክድቅሱ ይግደዱ።

ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ኣዳነ ከበደ (ሽሙ ዝተቐየረ) "ሓደ ሰብ ሀንደበት ዓፅሙ ተሰይሩ እንተመፂኡ፤ ሕክምና ዝረክብ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ" ይብል።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ሓደጋ መኪና ገጢምዎም ዝሕክመሉ ቦታ ስኢኑ ከምዝፈልጥ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ። ኣብቲ እዋን ንቶም ግዳያት ኣብ ኮሪደር ኣደቂስካ ንምሕካም እኳስ ቦታ ኣይተረኸበን።

ሕሙማት ኣብ በረንዳ

ዘዘራረብናዮ ኣብቲ ሕክምና ዝለማመድ ተምሃሪ ከምዝብሎ፤ እቲ ሆስፒታል ሕፅረት ቦታ ንምፍታሕ ሰፋሕቲ ክፍልታት ብምፅባብን ንኽልተ ብምኽፋልን ፈቲኑ እዩ፤ በረንዳ ዝነበረ ናብ ክፍሊ ንምቕያር እውን ተፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ግን መፍትሒ ክኸውን ኣይከኣለን።

"እንተድኣ ዘይተኸፊልና ስራሕ ጠጠዉ ክነብል ኢና"

ሰብ ሞያ ሕክምና ክፍሊት ተረፍ ሰዓት ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንዝሓለፉ ኣርባዕተኣዋርሕ ከምዘይተኸፈሎም ዝገልጽ ነርስ ኣዳነ ብዚ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ሰራሕ ጠጠዉ ንምባል ፊርማ ምትእኽኻብ ምስጀመሩ እቲ ሆስፒታል ናይ ሓደ ወርሒ ክፍሊት ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ቅርትኦም ብምኽንያት ክፍሊት ጥራሕ ኣይኾነን ዝገልጹ ዘለዉ። ኣድላዪ መሳርሒ ሕክምና ስለዘይተማልአ'ዉን'ዩ።

"ሕቶ ተሓቲቱ ምላሽ ስለዘይወሃብ፡ ሓካይም፣ ነርስን ሬዚደንት ሓካይምን ብተራ ክሰርሑ ተገዲፈዶም'ዮም። ሰማዒ ስለዘይብልና ኢና ኣብዚ በጺሕና" ይብል ኣዳነ።

ፈለገ ህይወት ሪፈራል ሆስፒታል ክልል ኣምሓራ እንተኾነ'ዉን ኣናኣሽቱ ዝመስሉ ግን ድማ ዝርብሹ ክፍተታት ይርኣዩዎ። ኣንፈት ዝሕብሩ ዘይምህላዮም ሓደ'ዩ።

ዝዘንግዐ ህንጸት

ሜዲካል ዳሬክተር እቲ ሆስፒታልን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልን ቢቢሲ ንዘልዓለሎም መብዛሕትኦም ሕቶታት ኣብ ከይዲ ህንጸት ዘሎ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ንኹሎም ጸገማት ፍታሕ ክኸዉን'ዩ ዝብል ምላሽ ኣለዎም።

ኮይኑ ግና ክዛዘም'ዩ ካብ ዝበሃል ኣርባዕተ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።

"እቲ ጸገም ምስ ጨረታ ዝተሓሓዝ'ዩ። ንህንጸት እቲ ፕሮጀክት እኹል ገንዘብ ተሰሊዑ'ዩ። ናይቲ ተኾናታሪ ቅልጣፈ ዝዛዘመሉ ግዜ ይዉስኖ'ዩ" ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ዶክተር መልካሙ እቲ ሆስፒታል 7 ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ዘተኣናግድ'ኳ እንተኾነ እኹል በጀት ከምዘይምደበሉ'ዮም ዝዛረቡ።

መንቀሊ እቲ ጸገም ዝብሉዎ ድማ ነቲ ሆስፒታል ዝወሃብ ትኹረት ምዉሓዱ'ዩ። ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ 127 ሽሕ ተመላለሊሶም ንዝሕከሙ ሰባት ሕክምና ዘወተዉሃበ እንትኾን፡ 5 ሽሕ መጥባሕቲ ተኻይዱ'ዩ።

እቶም ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ክህቦ ትጽቢት ዝግበር ኣገልግሎት፡ ይህብ ዘይምህላዩ ሕጽረት በጀት ስዓቦ ሕጽረት እታወት ከምዝኾነ ይዛረቡ። ክገፍሊት ሰራሕተኛታት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝዘንግዐሉ ድማ በጀት ስለዘይነበረ'ዩ ኢሎም።

"ን2010 ከገልግለና'ዩ ኢልና ዝሓዝናዮ 316 ሚሊዮን ብር'ኳ እንተኾነ፡ ቢሮ ጥዕና ክስልዖ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ'ዩ" ዝብሉ እቶም ዳይሬክተር ኣፈጻጽመኦም እንትዕቅኑ ንድሕሪት ከምዝተረፈ ይገልጹ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶክተር ኣበባዉ "ናይቲ ሆስፒታል ጸገማት ተጸኒዖም ተነጺሮም'ዮም። ምዉሓድ ጽሬት ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ሕጽረት ሓይሊ ሰብን ዝፍትሐሉ ሰነድ ንትግረብር ኣለና" ዝብል ምላሽ ሂቦምና።

"ክፍሊት ከምዝተቋረጸ ዝበጽሐና ጸብጻብ የለን" እዉን ኢሎም።