ብሄረሰብ ኢሮብ ንውሳነ ኢህወዴግ ተቓዊሞም

ተቓውሞ ሰልፊ ህዝቢ ኢሮብ

ምንጪ ስእሊ, Mirutsi Beyene

መግለጺ ስእሊ, ተቓውሞ ሰልፊ ህዝቢ ኢሮብ

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ንውሳነ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ከምዘይቅበሉ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ኩለን ጣብያትት እታ ወረዳ ዝመፁ ኣስታት 6,000 ሰልኛታት ከምዝተረኹቡ ካብ መተሓባበርቲ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

"ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝቐበርናሉ ጎቦታት ኢሮብ፡ ብግጉይ ውሳነ መንነትና ኣይንቕይርን፤ ኢትዮጵያውነትና ዝቕይር ዝኾነ ይኹን ውሳነ፡ ከም ብሄረሰብ ኢሮብ ኣይንቕበልን" ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ተሰሚዖም።

ካብ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ተስፋይ ሽፋረ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

"ክልቲኡ ህዝቢ ዘለዎ ኣማሓድራ፣ ባህሊ፣ ኣቀማምጣ መሬትን ኩነታት መነባብሮን ኣይራኸብን" ኢሉ።

"ህልውናና ክቕፅል እንተኾይኑ ኣብ ክልተ ኣይንምቀልን። ታሪኽና ክቕፅል ኣይክእልን መንነት'ውን ክህልወና ኣይክእልን" ክብል'ውን ስግኣቱ ገሊፁ።

ፈፃሚት ኮሚቴ ኢህወዴግ ዝወሰኖ ውሳነ፡ ነዚ ዘየገናዘበን ንህዝቢ ዘየማኸረን ውሳነ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ህዝቢ ቁጥዕኡ ንምግላፅ ከምዝወፀ ተዛሪቡ።

እዝነሽ ገብረመስቀል ዝተባሃለት ካልእ ተሳታፊት እቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እቲ ውሳነ ካብ ዝተሰምዐሉ ግዜ ጀሚሩ ህዝቢ ናብ ጭንቀት ከምዝኣተወ ንቢቢሲ ገሊፃ።

"መንግስቲ፡ ጉዳይ ህዝቢ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ምውሳኑ ጌጋ እዩ። ሓደ ዝነበረ ህዝቢ ኢሮብ ተመቒሉ ናብ ኤርትራ ናይ ምኻድ ድልየት የብሉን። ነዚ ድማ'ዩ ክቃወም ዝወፀ" ኢላ።

እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ ዳርጋ ፍርቂ ንህዝቢ መቒሉ ዝወስድ ከምዝኾነ ዝገለፀት እዝነሽ፡ ህዝቢ'ውን ኤርትራዊ ከምዝኾነ ሓሲቡን ተዛሪቡን ከምዘይፈልጥ ተዛሪባ።

ሰልፊ ኣብ ኢሮብ

ምንጪ ስእሊ, MIRUTS BEYENE

ኣይተ ሓጎስ'ውን ተሳታፊ እቲ ሰልፊ ነይሮም። "ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ኮይና ኣይትፈልጥን ስለዝኾነ፤ እቲ ቀንዲ ሕቶና ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ኢሮብ ናብ ክልተ ኣይምቀልን ዝብል'ዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ርሕቀት ቦታ ኮይንካ ዝውሰን ውሳነ ትኽክል ከምዘይኮነ ብምግላፅ ድማ "ነቲ ዶብ ዘይፈልጡ ብዓይኒ ማዕዶ ክውስኑልና ኣይክእሉን" ኢሎም።

"መጀመርታ ሕቶና ኢህወዲግ ክሰምዓልና ኢና ንደሊ" ዝብሉ ኣይተ ተስፋይ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ቅረታኦም ክሳብ ናብ ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዘቕርብዎ ኣረዲኦም።

ውሳነ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ስምምዕነት ኣልጀርስ ብዘይ ቅደመ ኩነት ከምዝተቐበሉ ምግላፆም፡ ዝዝከር እዩ።

መራሒ ውድብ ክልል ትግራይ ሕወሓት፡ ብወገኑ እቲ ጉዳይ አመልኪቱ ሎሚ መግለፂ ዘውፀአ እንትኸውን፡ እቲ ውሳነ ናይ ህወሓት እምነት ከምዝኾነ ይገልፅ።

ኣብ መግለፂኡ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ነበርቲ ትግራይ እቲ ሃዋህው "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ከብቅዕን ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ሕቶ ከምዝቐረበሉ ገሊፁ።

"ናይቲ ውሳነ ዕላማ፡ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ብምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓታትና ንምርግጋፅ 'ምበር ብዝኾነ ይኹን መመዘኒ ረብሓ ህዝቢ ትግራዕ ዝጎድእ ኣይኮነን" ይብል።

ካሊእ ነባሪ ወረዳ ኢሮብ ዝኾኑ ኣይተ ወልደማርያም ብስራት ግን፡ "ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ንኡስ ብሄረሰብ ዝኾነ ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ክልተ ዝመቅልን ዘጥፍእን እዩ። ኣብ ፀቢብ ቦታ እንነብር ውሑዳት ህዝቢ መንነትና ይጠፍእ ኣሎ እናበልና ኢና ፀኒሕና " ይብሉ።

ናይ ክልቲአን ሃገራት መንግስትን ውዱብ ሑቡራት መንግስታትን ፍታሕ ንክገብረሎም ይቃለሱ ከምዘለዉ ድማ ይዛረቡ።

" ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ህዝቢ እንከየሳተፈ፡ ኣብ ወንበር ኮይኖም ኣብ ልዕሊና ዝወሰንዎ ስለዝኾነ፡ ኣይንቕበሎን" ኢሎምና።