ኣብ ዝወፈርኹምሉ ዓዉዲ ዕዉትነትኹም ዝዉስኑ 6 መግለጺታት ስብእና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንጡይ፣ ጥንቁቕን ተወዳዳርን ዲኻ/ኺ? ዝኮነ ኩነታት ናይ ምልማድ፣ ኣጸገምቲ ኩነታት ናይ ምጽዋርን ምድንጋርን ዝኣመሰሉ ጸገማትከ ኣለዉኻ/ኺ'ዶ?
ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ኣብዚ ጉዳይ ትኩረት ገይሮም ዘካዱዎ መጽናዕቲ ሰባት ንመገዲ ዓወት ዝመርሑዎም 6ተ መገዲታት ኣለዉ ክብል ኣቐሚጡ ኣሎ።
ኮይኑ ግና ገለ ኣፈላላያት ኣለዉ'ዮም። እዞም ባህርያት እንተድኣ በዚሖም ድማ ናይ ሓደ ሰብ ዉጽኢታዉነት ኣብ ምንካይ ናይ ባዕሎም እጃም ኣለዎም። ስለዝኾነ ምሽጥር ዓወት ክልተ ጫፍ ሓሊኻ ምኻድን ብርቱዕን ድኹምን ጎኒ ፈሊኻ ምፍላጥን'ዩ።
እዚ፡ ኣብ ዉልቃዊ ባህሪ ጽዕንቶ ዘሕድሩ ዝተሃላለኩ ጸገማት ስነ ልቦና ንምግንዛብ ይሕግዝ።
እዞም ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታዉ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኢየን መክሪን ኤድሪየን ፈርሃምን ዕዉት ዝገብሩ ሽዱሽተ መግለጺታት ስብእና ኣቐሚጦም ኣለዉ።
1. ጥንቁቕ ምዃን
ጥንቁቓት ሰባት ኩል ግዜ ዝሓዙዎ ትልሚ ብኣግባቡ'ዮም ዝትግብሩ።
ነፍሲ ወከፍ ዝወስዱዎ ዉሳነ ቐጻሊ ብዛዕባ ዘመዝግቡዎ ዉጽኢት ይፈልጡ።
ስምዒቶም ናይ ምቁጽጻር ጸገም ብሎምን። ኣብ ዝሰርሕሉ ቦታ ንኣናኣሽቱ ነገራት ትኹረት ብምሃብ ብብልሒ ሕድ ሕድ ስራሕቶም ይዉግኑ።
2. ቀልጢፍኻ ምልማድ
ኩሉ ሰብ ዘጨንቖ ነገር ይገጥሞ'ዩ። እቲ ወሳኒ ሕቶ ግና ከመይ ኣቢሉ'ዩ ዝኣልዮ ዝብል'ዩ።
እዚ ማለት ኣብ ስራሕ ኮነ ካልእ ናይ ህልወት ኣጋጣሚ ጽዕንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ ነገራት ምልማድ ምኽኣል ማለት'ዩ።
እዚ ባህሪ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ስራሕ ዘለዎም ኣፈጻጽማ ድኹም'ዩ።
ብርክት ዝበሉ መጽናዕታት ከምዝብሉዎ ዉጽኢታዊ ንምኳን ዘጨንቁ ጉዳያት ትኹረት ብምሃብ ኣብ ዝኮነ ሃዋህዉ ዝሓሰብኻዮ ምዕዋት ይከኣል'ዩ። ከምዚ ዝበለ ጸገም ዘለዎም ሰባት ድማ ንዘጨንቖም ነገር ግቡእ ስጉምቲ እንተድኣ ወሲዶም ከመሓይሹ ይክእሉ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ምድንጋር ኣሚንኻ ምቕባል
ንሕቶኹም ምላሽ እትረኽብሉ ስራሕ ምስራሕ ድዩ ወይስ ዘጨንቐኩምን ዘደናግረኩምን ናይ ስራሕ ቦታ ኢኹም ትፈትዉ?
ዘይፈልጡዎ ነገር ዘይፈርሑን ምድንጋር ኣሚኖም ዝቕበሉን ሰባት ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታዉ ዝሓሸ ዉሳነ ምዉሳን ይኽእሉ።
እዚ ባህሪ ቁሩብ ናብ ኣተሓሳስባ ዉልቀ መላኺ ናይ ምምራሕ ዓቕሙ ዝለዓለ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት ንኡሽቶ ነገር ትርጉም ክሳዕ ዝረኽቡላ ስለዝጭነቑ ናይ ባዕሎም ዉሳነ ናይ መወዳእታ ገይሮም'ዮም ዝወስዱ።
ምድንጋር ኣሚኑ ዝቕበል ሰብ ንዝኮነ ዓይነት ለዉጢ ድልዊ"ዩ።
4. ህንጥዉ ምዃን
ምስ ኻልኦት ባህርያት እንትነጻጸር ሰብ ሙያ ስነ ልቦና ህንጥዉ ምዃን ትኹረት ኣይህቡዎን።
ኮይኑ ግና ኣብ ቀረባ ዝተካየዱ መጽናዕታት ከምዘመላክቱዎ ዘይንፈልጦ ነገር ንምፍላጥ እንትንህንጦ ሓድሽ ነገር ንምፍጣር ይሕግዘና። እዚ ማለት ንሓደሽቲ ነገራት ቅሩብ ዝኾነ ኣእምሮ ኣለና ማለት'ዩ። ብእንሰርሖ ስራሕ ድማ ሕጉሳት ንኸዉን።
5. ከቢድ ኩነታት ምጽዋር
ባህ ዘይብል ነገር እንተጋጥሞን ንግዚኡ ስቕ ኢልኩ'ዶ ትሓልፉዎ ወይስ እቲ ጉዳይ ተጻዊርኩም ዘላቂ መፍትሒ ንምሃብ ትፍትኑ?
ምስ ኣጸገምቲ ኩነታት ዓርስካ ምልምማድ ንቕድሚት ናብ ናይ መሪሕነት ቦታ ክንመጽእን ዉሳነ ወሃብቲ ክንኸዉንን ይሕግዘና።
6. ተወዳዳሪ ምዃን
ክትዕወት እትገብሮ ንሕንሕን ጥዕና ዘይብሉ ንሕንሕን ዝተፈላለዩ'ዮም።
ዉድድር ኩል ግዜ ንዝሓሸ ስራሕ ምልዕዓል ዝፈጥር፣ ተወሳኪ ጻዕሪ ክትገብርን ዝሓዝካዮ ትልሚ ክተዐዉትን ሓጋዛይ ግደ ኣለዎ። እንትዛይድ ግና ስራሕ ካብ ምትእጉጓል ዓዲ ኣይዉዕልን።
እዞም ሽዱሽተ ባህርያት ተደሚሮም ኣብ ናይ ስራሕ መኣድና ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎም። ብፍላይ ድማ ናብ መሪሕነት ክመጽኡ ንዝደልዩ ሰባት።
እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ተዋዳዳሪ ምዃንን ምድንጋር ኣሚንኻ ምቕባልን ካብቶም ካልኦት ዝሓሸ ተቐባልነት እንትህልዎም፡ ዝሓሸ እቶት ከምዘምጽኡ ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







