ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኣንጎለላ ጠራ ብዝበጽሐ ሓደጋ ትራፊክ 18 ሰባት ሞይቶም

እተን ሓደጋ ዘጋጠመን መካይን

ምንጪ ስእሊ, ኣምሃራ ፈይስቡክ

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ፡ ሃይማኖታዊ በዓል ማርያም ንምኽባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዙ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዝሓዘት ኣብቶቡስ ምስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደብረብርሃን ትጉዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ብምግጫዋ'ዩ።

በቲ ሓደጋ 13 ሰባት ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለው እቶም 5 ግን ሆስፒታል ምስ በጽሑ ከም ዝዓረፉን ነቲ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ወይ መንገዲ ዝዓጸወ ነገር ከምዘይነበረን ካብ'ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ካብቶም ዝሞቱ እተን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ኣንጎላላ ጠራ ዋና ኢንስፔክተር ዳግም ኣጣለ ተዛሪቡ።

እታ ኣዉቶብስ ዓቐበት ኣብ ተወጽአሉ ዝነበረት እዋን፡ እቲ ሚኒባስ ድማ ቑልቁለት እናወረደ ከምዝተጋጨው ዝገለጸ ኢንስፔክተር ኣብ'ቲ ከባቢ ንሓደጋ ዘቃልዕ መርኣይቲ ዝኽልክል ዝኾነ ነገር ከምዘይነበረ ኣረዲኦም።

ይኹን'ምበር እቲ ኣዉቶብስ መንገዱ ስሒቱ ብተቓራኒ ኣንፈት ይጉዓዝ ከምዝነበረን፡ ኣብ'ታ ሚኒባስ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ትማሊ ከባቢ 10፡30ን ከምዘጓነፈን ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምዉጻእ እቲ መንገዲ ክሳብ ምሸት ሰዓት 4፡00 ተዓጽዩ ከምዝነበረን እቲ ኢንስፔክተር ሓቢሩ።