ኣብ ኤርትራ ብሓደጋ መኪና 33 ሰባት መይቶም

ምንጪ ስእሊ, ERI-TV
ትማሊ 28 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መስመር ኣስመራ-ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ከምዝሞቱ ካብ'ቲ ውሸጢ ሃገር ዝፍኖ ዜና ገሊጹ።
ካብ ኣስመራ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ኣስታት 52 ኪ.ሜ ከባቢ ሽንድዋ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ መራሒ መኪና ዝርከቦም 11 ሰባት ብጽኑዕ ተጎዲኦም ንዝላዓለ ሕክምና ናብ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሆስፒታል ሓሊበት ከም ዝተወስዱ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ኣውቶብስ ካብ ኣስመራ ንንግደት ደብረ ሲና ዝወርዱ ዝነበሩ 45 ተሳፈርቲ ጽዒና ከም ዝነበረትን ኣስታት 80 ሜትሮ ንሸነኽ የማን ከም ዘንከራረወትን ተገሊጹ።
ጠንቂ እቲ ሓደጋ ክቱር ናህሪ ኣብ ኩርባ ክኸውን ከም ዝኽእል ነቲ መርመራ ዘካይድ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ኤርትራ ገሊጹ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







