ኣልሲሲ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ 2 ሰነ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።
ኣልሲሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ 97 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ'ዩ።
ቃለ መሓላ ኣልሲሲ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝፍጸም እንትኾን፡ ሑስኒ ሙባረክ፡ ኣብ 2005 ንሓምሻይ ግዜ ቃለ መሓላ ካብ ዝፍጽም ናብዚ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዝካየድ ፈላማይ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ክኸዉን'ዩ።
ኣብዚ በዓለ ሲመት መራሕቲ ሃይማኖት፥ ኣምባሳደራትን ዓለምለኻዊ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን ዕድመ ክግበረሎም'ዩ።
ተነሓናሕቲ ኣልሲሲ "ዓፋንን ዉልቀ መላኽን" እዩ እንትብሉዎ፡ ደገፍቱ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ኣምጺኡ'ዩ ክብሉ ይንእዱዎ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







