ሓደ ሚልዮን ፈረንሳውያን ሽጋራ ምትካኽ ኣቋሪጾም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ፈረንሳ ቁጽሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ብርሒብ ጎዲሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓምታት ኣብ ፈረንሳውያን ኣብ ሓደ ግዜ ክንድዚ ዝኣኽሉ ብሓደ ሽጋራ ምትኻኽ ከቋሩጹ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ፈረንሳ፡ መናእሰይ፡ ኣረጋውያን፡ ከምኡ'ውን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ካብቶም ምትኻኽ ሽጋራ ኣቋሪጾም ዘለዉ ምኳኖም ይሕብር።
እዚ ውጽኢት ክምዝገብ ዝኽኣለ፡ ፈረንሳ ኣብ ኣሉታ ምትኻኽ ሽጋራ ኣጽዒቓ ጎሰጓስ ምግባራ ዘምጽኦ ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ መኳኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የረድእ።
ኣብ 2017 ካብ 17-75 ዕድሚኦም 29.4 ሚእታዊት ኣትኸኽቲ ዝነበሩ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ናብ 26.9 ሚእታዊት ጎዲሉ'ሎ።
እቲ ኣሃዛዊ ጽብጻብ፡ ፈረንሳ 13.2 ሚልዮን ኣትኽኽቲ ሽጋራ ዝነበርዎ ናብ 12.2 ሚልዮን ጎዲሉ ምህላዉ የመልክት።
ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥም ሞተ ካብ ዓሰርተ እቲ ሓደ ምስ ምትኻኽ ሽጋራ ዝተሓሓዝ'ዩ።
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣትኽኽቲ ሽጋራ ፍርቆም ኣብ ቻይና፡ ህንዲ፡ ኣሜሪካን ሩሲያን ከምዝርከቡ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የነጽር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







