እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥባሕቲ ኣብ ኣፍሪቃ "ክልተ ሳዕ ሞት"
ኣብ ዓለም መጥባሕቲ ካብ ዝካየደሎም ሰባት እቶም ክልተ ዕጽፊ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝለዓለ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልጹ።
እንተኾነ ግና ኣዝዮም ዉሑዳት ኣፍሪቃዉያን'ዮም ብዝማዕበለ መገዲ መጥባሕቲ ክረኽቡ ዕድል ዘለዎም።
ቑጽሪ እቶም ዝካየዱ መጥባሕታት ግን 20 ግዜ ካብ'ቲ ጠለብ ዝተሓቱ'ዮም ይብል ኣብ ላንሴት ሜዲካል ዝተሓተመ መጽሄት መጽናዕቲ ።
መጥባሕቲ ይብሉ እዞም ተመራመርቲ "ድምጺ ኣልቦ" ቀታሊ ባእታ'ዩ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ ታዉን ተሓጋገዚ ጸሓፊ እቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ብሩስ ቢካርድ፡ እቲ ቐንዲ ጸገም ድሕሪ ከቢድ ስራሕ መጥባሕቲ ዘጋጥም ሕጽረት ሰብ ሞያ'ዩ ይብል።
"እዚ ጉዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስጋኢ ዝገብሮ ሓይሊ ሰብ ዘይምህላው'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዓለም 1 ሚኢታዊት ድሕሪ ሰባት መጥባሕቲ ይሞቱ። ኣብዚ ዙርያ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ግና እዚ ቑጽሪ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ 2.1 ሚኢታዊት ክብ ከምዝብል ይዛረቡ።
ብኸቢድን ቀሊልን ሕማም መጠን ድሕሪ መጥባሕቲ ሓዱሽ ህይወት ዝቕጽሉ ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዓለም እቲ ዝተሓተተ ከምዝኾነ ድማ እቲ መጽናዕቲ የቐምጥ።
ኣብ ኣፍሪቃ ናብ መጥባሕቲ ዝኸዱ "ብቀሊልን ዉሑድ ሕልኽላኽን" ዘለዎም ጉዳያት'ዩ ድማ ይብል።
እቲ 33 ሚኢታዊት ዝሕዝን ልሙድን መንሽሮ ኮይኑ፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ዘጋጥም ረኽሲ ድማ እቲ ዓብዪ ጸገም'ዩ።
እዚ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ናይጀሪያ፣ ግብጽን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓዊሱ ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዝዓበየ መጽናዕቲ እንትኾን 11 ሽሕን 422 ሕሙማት ተኻቲቶም'ዮም።
ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ግና ዝኾነ ዓይነት ምንጽጻር ኣይተኻየደን።
ታሊፕ ማዝሙዳር- ሪፖርተር ጥዕና ዓለም
እዚ መጽናዕቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 5 ቢሊዮን ሰባት ዓለም ዉሑስ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ከምዘይረኽቡ የመልክት።
ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ካብ 10 ትሕቲ ሓደ መሰረታዊ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ይረኽቡ። ኾይኑ'ዉን ግና፡ ዝተሓላለኹ ነገራት ሕዚ'ዉን ካብ ዓለም ኣብዘን ሃገራት ዝለዓለ'ዩ።
ድኹም ስርዓት ጥዕና፣ ዋሕዲ ሓይሊ ሰብን ንተሓከምቲ ድሕሪ መጥባሕቲ ዝግበር ምሕብሓብ ምዉሓዱን ምኽንያት'ዮም።