ዝርርብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብዘይ ፍረ ተወዲኡ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ አበባ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዝርርብ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ (በይናዊ መንግስቲ ምብራቕ ኣፍሪቓ) ናይ ስልጣን ምርቅቃሕ ሰለስተ ምክትላት ፕረዚደንት ክህልው ዘቅረቦ እማመ ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ማብዮር ገራንግ ኣባል ተቃወምቲ ሐይልታት ከምዝበሎ እቲ ናይ ስልጣን ምርቅቃሕ ፍትሐዊ ካምዘይኮነ፡ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ምንግስቲ ከም ዘለዎ ከመዝተረፈን ሐቢሩ።

ፕረሰደንት ሲልቫ ኪርን ምክትሉ ነበር ማቻርኒ ቅድሚ 5ተ ዓመት ካብ ዝቀሐሐሩ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ከምዝሞቱን ምንጨታት የመልክቱ።