እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
34 ኣቡናት ቺሊ ብነዉራም ተግባር ጾታዊ መግሃስቲ ክወርዱ ሓቲቶም
34 ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሮማ ቺሊ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዝፈጸሙዎ ነዉራም ተግባር ጾታዊ መግሃስቲ ካብ ኣገልግሎቶም ከዉርዱዎም ንፖፕ ፍራንሲስ ሓቲቶም።
ንዝፈጸሙዎ ከቢድ ስሕተትን በደልን ድማ ነታ ቤተ ክርስቲያንን ግዳያትን ይቕረታ ሓቲቶም።
እቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ ብፖፕ ፍራንሲስ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና ዝተገለጸ ነገር የለን።
ፖፕ ፍራንሲስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቺሊ ሓደ ጾታዊ መግሃስቲ ዝፈጸመ ኣቡን ብምሻሙ ተነቒፉ'ዩ።
ኣብ ቺሊ ቤተክርስቲያን ካቶሊክ ቺሊ ዝተፈጸመ ጉዳይ ጾታዊ መግሃስቲ "ዘሕንኽን ቃንዛን"'ዩ ክብል ፖፕ ፍራንሲስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቺሊ ምስ ኣቡናት እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝነበሮ ዘተ ገሊጹዎ ነይሩ።
ኩሎም ኣቡናት ክለቁ ንምንታይ ሓቲቶም?
እቶም ካብ ኣገልግሎቶም ክለቁ ብደብዳበ ሕቶ ኣቕሪቦም ዘለዉ 34 ኣቡናት፡ ካብ ፖፕ ፍራንሲስ 10 ገጽ ዝሓዘ ኽሲ ጉዳያት ጾታዊ መግሃስቲ ምስበጽሖም'ዩ።
ገለ ነቲ ጉዳይ ዝምርምሩ ዘለዉ ቫቲካናዉያን ኣብ ጸብጻቦም ቴሌቪዥን ቺሊ "T13" ሸሊኹ ዝወጽአ መረዳእታ ከምዘለዎ ኣካቲቶም'ዮም።
እቲ ጸብጻብ ፖፕ ፍራንሲስ፡ "እቲ ጸገም ናብ ካልእ ሰብ ዝሰግር ዘይኮነ፡ ኣብ ባዕልትና ዝሽረፍ'ዩ" ክብል ከምዝተዛረበ ይሕብር።
እቶም ሕቶ ምልቃቕ ኣገልግሎት ኣቕሪቦም ዘለዉ ኣቡናት ቤተ ክርስቲያን ቺሊ መጻኢ ዕጨኦም ኣብ ኢድ ፖፕ ፍራንሲስ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ሕቶና እንተድኣ ዘይተቐቢሉዎ፡ "ኣገልግሎትና ክንቕጽል' ኢና ኢሎም።
"ብሓባር እቲ ዝበጽሐ በደል ክንክሕስን ፍትሒ ክነንግስን ኢና" ድማ ኢሎም።
ግዳያትከ እንታይ ኢሎም?
"እዚ ነገራት ንዘልኣለም ክቕይር'ዩ" ክብል ኣብ 1980ታት ብካራዲማን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ጁዋን ካርሎስ ክሩስ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ካልእ ጆሴ ኣንድሬስ ሙሪሎ ፖፕ ፍራንሲስ እቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ክቕበል ኣለዎ ኢሉ።
"እቶም ዉጹዓት ከመይ ክህልዉዎም ከምዘለዎም ኣይፈልጡን" ኢሉ ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።
"ስለዝኮነ ድማ ኩሎም ክስጎጉ ኣለዎም"።