እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ካሕሳ 400 ሚልየን ዶላር ንሰራሕተኛታት ዕደና ወርቂ"
መኣድን ወርቂ ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ። ሸቃሎ ዕደና ወርቂ እታ ሃገር፡ ንኣማኢት ዓመታት ህይወቶም እንትሓልፍን ንዝተፈላለዩ ሕማማት እንትቃልዑን፡ ኩባንያታት ዕደና ወርቂ ኣፅቂጦም እዮም ፀኒሖም ።
ኣብዚ ሰሙን ግና ትካላት ወርቂ ነዞም ሰራሕተኛታት ዕደና ወርቂ ካሕሳ ንክኸፍሉ ዘገድድ ውሳነ ቤት-ፍርዲ ተሰሚዑ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቁፀሩ፡ ሸቃሎ ዕደና ወርቂ፡ ንሕማም ሳንቡእ ይቃልዑ። እዚ 'ሲስኮሲስ' ዝበሃል ሕማም ሳንቡእ፡ ምስ ዓይነታት ዘይድሕኑ ሕማማት እዩ ዝምደብ።
እዚ ሕማም ካብ ከውሕታት ወርቂ ዝወፅእ ቦኾኽታ ብትንፋስ ስለ ዝስሕብዎ እዮም ንሓደገኛ ሕማም ሳንቡእ ዝቃልዑ።
ነዚ ጉዳይ ዝረኣየ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ነዞም ግዳያት እዚ ሕማምን ስድራ መወትቲን ካሕሳ ንክኽፈሉ ዘገድድ ብይን በይኑ ኣሎ።
እዚ ውሳነ ኣብ መወዳእታ ብይን ዝበፅሐ፡ ንኣስታት 40 ዓመታት ብዝተገበረ ሙግት ቤት-ፍርዲ ዕልባት ምርካቡ ድማ ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ ኣሎ።
ድሕሪ ሕዚ ንዝህልዉ ተመሳሳልቲ ክስታት ድማ፡ ሰለጤን ዘለዎ ፍርዲ ንክህሉ ኣብነት ከምዝኸውን ይግለፅ።
ብመሰረት ውሳነ እዚ ቤት-ፍርዲ፡ ዓበይቲ ትካላት ወርቂ እታ ሃገር፡ ንሸቃሎ ዕደና ወርቂ፡ 5 ቢልየን ራንድ ናብ ዶላር እንትስላሕ ድማ ኣስታት 400 ሚልየን ዶላር ክክሕሱ ይግደዱ።
እዚ ገንዘብ ንኣስታት10 ሽሕ ሸቃሎ ዕደና ወርቂ እዩ ክኽፈል።
እዚ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ውሳነ ቤት-ፍርዲ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር።
ሃርመኒ ጎልድ፣ ጎልድ ፊልድስ፣ ኣፍሪካን ሬንቦው ሚነራልስ፣ ሲባኒ ስቲል ዎተር፣ ኣንግሎ ጎልድ ኣሻንቲን ኣንግሎ ኣሜሪካን፡ ካሕሳ ንክኸፍሉ ዝተስማዕምዑ ዓበይቲ ትካላት ወርቂ እታ ሃገር እዮም።