እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕን ማክሮንን ሓድሽ ስምምዕ ኒዩክለር ምስ ኢራን ከምዝኽተም ኣተንቢዮም
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ናይ ፈረንሳ መዘንኡ ኤማኑኤል ማክሮንን ብዛዕባ ናይ ኢራን ናይ ኒዩክለር መደባት ክልእ ሓድሽ ስምምዕ ክህሉ ከምዝኽእል ኣሚቶም።
ድሕሪ ናይ ኣሜሪካ ርክቦም፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ውዕል ዘለዎ ጥርጣረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ``ካብኡ ዝዓቢ ስምምዕ`` ኪግበር ከምዘለዎ ኣተንቢሁ።
ፕሬዚደንት ማክሮን ብግዲኡ፡ እቲ እንኽትሞ ሓድሽ ውዕል ናይ ኢራን ናይ ባሊስቲክ ሚሳይል መደባትን ተርኣ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ኢራን ብግዲኣ ድማ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ እንተድኣ ስሒባ ``ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤናት`` ከኸትል ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።
ኣብ 2015፡ ኢራን እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተደንገገ ቁጠባዊ እገዳ ንኽልዓል ናይ ኒዩክለር መደባታ ከተቋርጽ ተሰማሚዓ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ፡ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ ግዜ ፕሬዚደንት ኦባማ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ስጋብ 15 ግንቦት ዘሎ ግዜ ንምቁራጹ ከፈራርሕ ጸኒሑ።
ናይ ጀርመን መራሒት ኣንጌላ መርኬል ነቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍራሱ ክወስዶ ዝኾነ ስጉምቲ ደው ንምባል ናይ መወዳእታ- ደቓይቕ ፈተነ ንምግባር ዝመጽእ ዓርቢ ናብ ኣሜሪካ ክትገይሽ ኢያ ተባሂሉ።
ናይ ኢራን ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር፡ ጃቫድ ዛሪፍ ድማ እትንተድኣ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ስሒባ ኢራን`ውን ካብቲ ስምምዕ ክትስሕብ ``ተኽእሎ`` ክምዘሎ ገሊጹ።
ትራምፕን ማክሮንን እንታይ ኢሎም ኣብ ዋሽንግቶን?
``ከምዝመስለኒ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተኸተመ ውዕል ዝተፈልየን ዝዓበየን ስምምዕ ክንክትም ኢና``፡ ድሕሪ ምባል እቲ እንኽትሞ ሓድሽ ስምምዕ ``ኣብ ጽኑዕ መሰረት`` ዝተሃንጸ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።
``እቲ ስምምዕ፡ ጉዳይ የመን፡ ሶርያን ካልእ ቦታታት ማእከላይ ምብራቕ ዘጠቓለለ ክኸውን ነይርዎ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ``ዘይጥዑይ`` ውዕል ዝሰመዮ ስምምዕ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ፡ ፕሬዚደንት ማክሮን ብወገኑ እቲ ስምምዕ ናይ ኢራን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጽልዋ ዘጠቓለለ ክኸውን ከምዘለዎ ተሰማሚዑ።
ዝያዳ ዝጸቐጠሉ ድማ፡ ከምቲ እቲ ሓድሽ ስምምዕ ዘመልክቶ፡ ልዕሊ`ቲ ንዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ንናይ ኢራን ናይ ኒዩክለር መደባት ምቁጽጻር፡ ንሓዋሩ ናይ ኢራን ኒዩክለር ምንቅስቓሳትን ናይ ባሊስቲክ ሚሳይላት መደባት ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ማክሮን።
ብምቕጻል፡ መንግስቱ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን ሶርያን ``ሓድሽ ናይ ስራሕ`` ስምምዕ ክሃንጽ ድልውነቱ ገሊጹ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍራሱ ስጋብ 12 ግንቦት ዝሃቦ ግዜ ከናውሖ ምዃኑን ዝየምዃኑን ከምዘይፈልጥ ፕሬዚደንት ማክሮን ገሊጹ። እቲ ሓደ ክብሎ ዝኽእል ``እቲ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝገበርክዎ ዝርርብ ኣዝይ ግሉጽ ኢዩ ነይሩ`` ኢሉ ማርኮን።
ግብረ-መልሲ ኢራን እንታይ ነይሩ?
ብሰኑይ፡ ፕሬዚደንት ኢራን ሃሰን ሮሓኒ ``እንተድኣ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ስሒባ ``ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤናት ከምዘኸትል`` ኣጠንቂቑ።
ኢራን እቲ ተካይዶ ናይ ኒዩክለር መደባት ንሰላማዊ ህዝባዊ መዓላ ከምተውዕሎ ኢያ ትገልጽ።