እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብመዕገሲ ቃንዛ ጥራሕ ዝሕከሙ እሱራት'
እሱራት ኣብ መጋባእያ ቀሪቦም ካብ ዘቕርብዎም ጥርዓናት እቲ ሓደ ግቡእ ሕክምና ዘይምርካብ ከምዝኾነ እሱራት ዝነበሩን ጋዜጠኛታትን ይዛረቡ።
ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣይተ በቀለ ገርባ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ሕክምና ዓይኒ ክረክብ ከምዘይከኣለ ዘቕረቦ ጥርዓን ከም ኣብነት ይለዓል።
ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ'ውን ኣብ ሕቑኡ ከቢድ ሕማም ኣጋጢምዎ ሕክምና ክረክብ ከምዘይከኣለ ሓው ታሪኩ ደሳለኝ ተዛሪቡ ነይሩ።
ምስ ፖለቲካ ብዝተተኣሳሰረ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ (ማሕዩር) ዝርከቡ እሱራት ኣገልግሎት ሕክምና ምርካብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ዘዘራረብናዮም ገሊፆምልና።
ቅድሚ ሕዲት ዓመታት ብሰንኪ ብልሸውና ዝተኣሰሩ ወናኒ ሆስፒታል ኣዲስ ካርዲያክ ዶክተር ፍቅሩ ማሩ'ውን ኣብ ዛዕባ ሕክማን ጠሪዖም ምንባሮም ይዝከር።
መዕገሲ ቃንዛ...
ጫልቱ ታከለ፡ ምስ ፖለቲካን ሓድነትን ሃገር ብዝተኣሳሰረ ተኸሲሳ 12 ዓመታት ተፈሪድዋ፤ ካብ ዝተፈረዳ ድማ 8 ዓመትን 45 መዓልታትን ተኣሲራ ብኣመክሮ ተፈቲሓ።
መሊሳ ብሽበራ ተኸሲሳ 11 ኣዋርሕ ምስተኣሰረት፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ እሱራት ክፈትሕ ከሎ ካብ ማእሰርቲ ወፂኣ።
ብ2001 ግን ካብ ዝነበረትሉ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ናብ ቃሊቲ ክትዘዋወር ከላ ሕክማና ክትረክብ ሓቲታ ምንባራ ትዛረብ።
"ኣብ ማእከላዊ ከለኹ እዝነይ ስለዝተወቓዕኩ የሕምመንን ይደምን ነይሩ" እትብል ጫልቱ፡ ዋለ'ኳ ኣብ እሱራት ፖለቲካ እንተኸበደ፡ ኣብ ጣብያ ጥዕና ወይድማ ሆስፒታል ሕክምና ምርካብ ንዝኾነ ይኹን እሱር ከቢድ ከምዝኾነ'ያ ትዛረብ።
ንሳ ከምእትብሎ ሕማሞም ዝፀንዖም እሱራት እንተሃለው'ውን መዕገሲ ቃንዛ ይወሃቦም እምበር ንዝሓሸ ሕክምና 'ሪፈር' ኣይፀሓፈሎምን።
ንሳ'ውን መዕገሲ ቃንዛ ከምዝወሰደት፤ ኣብ ጥዕንኣ ምምሕያሽ ስለዘይገበረት ግን ብተደጋጋሚ ሓቲታ ኣብ ሆስፒታል የካቲት 11 ክትሕከም ከምዝተገበረ ገሊፃ።
"ዕድመ ይፍታሕ ወይካኣ ሞት ዝተፈረዶ ሰብ ናብ መንግስታዊ ሆስፒታል ከይዱ ክሕከም ዘይሕሰብ'ዩ። 'ሪፈር' ክፃሓፍ ኣለዎ" ትብል።
ጫልቱ ከምእትብሎ 'ሪፈር' እንተተፃሒፍዎም'ኳ ዓጃቢ ፖሊስ ወይ ድማ መኪና የለን ብዝብል ምኽንያት ከይከዱ ይተርፉ። ምናልባት እንተኸይዶም'ውን ዓጃቢ ፖሊስ ሓቢርዎም ክኣቱ'ዩ ዝግበር።
እዚ ድማ እቲ ተሓካማይ ነፅነት ከይስምዖም፤ ሓኻይም'ውን ምቾት ክስእኑ ከምዝገበር ትገልፅ።
ኒሞና፤ ሕማም ካንሰር ዘለዎ ጥላሁን ዝበሃል መሓዝኦም 'ሎሚ መኪና የለን' ፅባሕ 'ዓጃቢ ፖሊስ ተሳኢኑ' እናተብሃለ ናይ ኬሞ ቴራፒ ሕክምንኡ ብኣግባቡ ክከታተል ዘይክእል ምንባሩ ትዝክር።
"ናይ ኬሞ ቴራፒ ሕክምንኡ ብኣግባቡ ክከታተል ዘይምኽኣሉ ሞቱ ክቕልጥፍ ገይርዎ እዩ ኢለ ይኣምን። ስፔሻሊስት ሓኺም ክሪኦም ይግባእ ዝተብሃሉ እሱራት እቲ ሓኺም ኣብ ዝኣትወሉ መዓልቲ ናይ ምውሳድ ዕድሎም ፀቢብ እዩ። ምኽንያቱ ድማ መኪና ወይ ዓጃቢ የለን ስለዝበሃል" ትብል።
ንሕርሲ ዋላኳ ብቐሊሉ 'ሪፈር' ዝፀሓፍ እንተኾነ፤ መኪና ወይ ዓጃቢ ፖሊስ የለን ብዝብል ምኽንያት ቅድሚ ወሊድ ክትትል ሕክምና ምግባር ግን ዘይሕሰብ ምዃኑ ትገልፅ።
ንሳ ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ዝርከብ ክሊኒክ ሕክምና ክትረክብ ፀገም ከምዘይነበራ ዋላኳ እንተገለፀት ሰብ ሞያ ናእቲ ክሊኒክ ግን ክእለት ከምዜእብሎም ትዛረብ።
ሕማም ስኒ ከም ኣብነት ብምልዓል "ጊዜ ዘይህብ ሕማም ስኒ 'ኳስ ኣብቲ ክሊኒክ ንሱ እዩ ዝሕከም። እዚ ዶ ይሓይሽ እቲ እናበሉ ብዝመስሎም መገዲ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት መዐገሲ ቃንዛ ንእሱራት ይህቡ። ብተደጋጋሚ መዐገሲ ቃንዛ ምስወሰድካ እዩ ናብ ሕክምና ስኒ ክትከይድ ዝፍቀደልካ" ትብል።
ምስ ማህፀን ዝተኣሳሰር ፀገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እንትምርመራ ዓጀብቲ ፖሊሳት ምስአን ስለዝኣትዉ፤ እዚ ድማ ናፅነተን ኣዝዩ ከምዝዳፋእ ጫልቱ ትገልፅ።
"ዕድመ ልክዕ ወይ ከኣ ሞት ዝተፈረዶ እሱር እንተደኣኾይንካ ድማ ዓጀብቲ ፖሊሳት ዋላ 'ውን ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ እዮም ዝኣትዉ" ትብል።
"አሞክሳ"
ብሽበራ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ዝነበረን ምስተፈትሐ ብፍላይ ናይ ፖለቲካ እሱራት ውዕሎ መጋባእያ እናተኸታተለ ብምፅሓፍ ዝፍለጥ ጌታቸው ሽፈራው 'ውን እሱራት ሕክምና ምርካብ ከምዝፅገሙ ይዛረብ።
ብመሰረቱ ፀገም ሕክምናን ሕፅረት መድሓኒትን ዋላኳ እንተሃለወ ብፍሉይ ግን ፖለቲካዊ እሱራት ኣገልግሎት ሕክምና ምርካብ ከምዘፀግመሎም ይገልፅ።
"ኣብ ማእኸላዊ፣ ቃሊቲ፣ ዝዋይን ቂልንጦን ተኣሲረ ነይረ እየ" ይብልሞ፤ ኣብ ኩሎም እዚ ዝበሃል ኣገልግሎት ሕክምና ከምዘየለ ይገልፅ።
ካብ ቂሊንጦ ናብ ዝዋይ ምስተዛወሩ ሓኻይም ሓሚምና ንዝበሉ እሱራት ብዓይኖም ጥራይ መዚኖም ዝተፈለየ ነገር ንዝራኣዩሉ እሱር ትራህ መድሓኒት ይህቡ ምንባሮም ይዝክር።
ልክዕ ከም ጫልቱ ጌታቸው እውን ንእሱራት ዝግበር ቀንዲ ሕክምና መዐገሲ ቃንዛ ምዃኑ ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ካብ መዐገሲ ቃንዛ እንተዛይዱ ድማ እቲ ዝወሃብ መድሓኒት 'ኣሞክሳሲሊን' እዩ። እሱራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ እንትኸዱ ዝወሃቦም መድሓኒት ኣሞክሳሲሊን ምዃኑ ቀዲሞም ርጉፅ እምነት ሒዞም ከምዝኸዱ ይገልፅ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣሞክሳስሊን በቶም እሱራት "አሞክሳ" እናተብሃለ እዩ ዝፅዋዕ።
"ውሑድ ሰብ ምስኣተወ፤ ንሎሚ ካብዚ ናብዚ ጥራሕ ኢና ነተኣናግድ እውን ይበሃል።"
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሰርሑ ሰባት ዝተኸሰሰ ሰብ ኩሉ ገበነኛ እዩ ኢሎም ምሕሳቦም ካልእ ፀገም ምዃኑ ጌታቸው ይዛረብ።
ፀገም ፅርየት ምግብን ተፃቢብካ ኣብ ሓደ ቦታ ምድቃስ ባዕሉ እውን ንሕማም ከምዘቃልዕ ጌታቸው ይገልፅ።
"ኣብ ቂሊንጦ 160 ካሬ ኣብ ዝኸውን ቦታ ኣስታት 150 እሱራት እዮም ዝእሰሩ" ይብልሞ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕክምና ምርካብ ዘይከኣል ምዃኑ ኣዝዩ ፈታኒ ምዃኑ የረድእ።
ሕግን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን
እሱራት ብኸመይ ይተሓዙ ዝብል ብመሰረት ሕጊ ተሃነፅቲ ሕጊ ክፍፀም ዝነበሮ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን እቲ ሕጊ ካብ ዝብሎ ዝተፈለየ ምዃኑ ናይ ብዙሓት እሱራት ፖለቲካ ጠበቓ ኮይኑ ዘገልግል ኣይተ ሄኖክ አክሊሉ ይዛረብ።
ኣይተ ሄኖክ ናይታ ማእሰርታ ወዲኣ ዝተፈትሐትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ጥዕናኣ ብዝምልከት መዘራረቢት ኮይና ናይ ዝነበረት ቀለብ ስዩም ጠበቓ ነይሩ።
ኣይተ ሄኖክ ብጥብቅንኡ ካብ ዘገልገሎም እሱራት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሐት ንግስት ይርጋን ነባር አመራርሓ መኢአድ ኣይተ ማሙሸት አማረን ይርከቡዎም።
ጠበቓ ሄኖክ ከምዝብሎ፤ መብዛሕትኡ ግዜ እሱራት ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘለዉ ክሊኒካት ክሕከሙ እዩ ዝግበር ኣብኡ ድማ ብቐንዲ መዐገሲ ቃንዛ እዩ ዘሎ።
"ካብቲ ቤት ህንፀት ወፃኢ ክሕከሙ ሪፈር ዝፀሓፈሎም ምስደንጎየ ስለዝኸውን ብቀሊሉ ክሕከም ይኽእል ዝነበረ ሕማም ኣብ ከቢድ ደረጃ ይበፅሕ። በዚ መልክዑ ጥዕናዊ ፀገሞም ኣብ ከቢድ ደረጃ በፂሑ ዝሞቱ እውን ኣለዉ" ይብልሞ እሱር ፖለቲካ ምዃን ብባዕሉ ድማ ፈተና ከምዘለዎ ሄኖክ የረድእ።
ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ብፖለቲካ ብፍላይ ብሽበራ ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ሕክምና ንምርካብ እንትሓቱ ብሰብ ሞያ ሕክምና እንቴእተረፈ "ንሳኻ/ ንስኺ ደኣ ብሽበራ እንዲኻ ተኣሲርካ" ኢልካ ምጥቃንን ምግላልን ኣሎ።
ምምሕዳር ቤት ህንፀታት ፌደራል ብስልኪ እኳ እንተረኸብናዮም፤ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ክህቡ ግን ኣይደለዩን።