ታሚ ዳክወርዝ ኣብ መዝነታ እናሃለወት ዝወለደት ፈላሚት ሴናተር ኮይና

ታሚ ዳክወርዝ፡ ኣብ ኢሎነይ ዝተመረፀት ኣባል ዴሞክራት ፓርቲ ኣብ ትዊተር ከምዝበለቶ፡ ጓላ ማይለ ፒርል ቦውልስቢ ብሽም ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም 'ነርስ' ኮይና ዘገልገለት ኣሞ በዓልቤታ'ያ ስም ወፂኡላ።

ብቐፃልነት ትዊት ኣብ ዝገበረትሉ እዋን ንኹሎም ኣባለት ስድራን ጉጅለ ሕክምናን ኣመስጊና'ያ።

ዳክወርዝ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ፓይለት ሄሊኮፕተር ዝነበረት ክትኸውን ከላ፡ ብ2004 ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ክልተ ኣእጋራ ስኢና'ያ።

ቀዳመይቲ ጉድእቲ ኣካል ኣባል ሰኔት ኣሜሪካ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን'ውን ታሪኽ ክትሰርሕ ኪኢላ ነይራ።

ማዕኸናት መራኸቢ ኣሜሪካ ከምዝሓበርዎ ክሳብ ሕዚ ተመሪፀን መዝነት ፌደራል ቤትፅሕፈት ሒዘን እናሃለዋ ካብ ዝወለዳ 10 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ክትኮን ክኢላ ኣላ።

ካልአይቲ ውላድ እዞም መፃምዲ ዝኾነት ህፃን ማይለ - ብሰኑይ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ውፅእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል እያ ተወሊዳ።

ታሚ ዳክወርዝ "ወላዲ ምዃን ዋኒን ደቂአንስትዮ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ንኹሎም ወለዲ ንኣቦን ነደን ብማዕረ ዝፀሉ ቁጠባዊ ጉዳይ እውን እዩ" ኢላ ኣብ መግለፂኣ።

"ዋላኳ ንአደነትን ንሴናተርነትን ዘድሊ ጠለብ ምምላእ ከቢድ እንተኾነ፤ በይነይ ግን ኣይኮንኩን፤ እናሰራሕኩ ደቀይ ኣብ ምዕባይ እውን ካብ ካልኦት ዝተፈለኹ ኣይኾንኩን፤ ደቀይ እውን እንተኾኑ ስርሐይ ብዝበለፀ ንክዓምምን ኣብ ከክንዲ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝርከቡ ፃዕራማት ወለዲ ጠጠው ክብልን እዮም ዘበራትዑኒ" ክትብል'ውን ተዛሪባ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፤ ወይዘሮ ዳክወርዝ ካልኣይ ጥንሳ ኣፀጊሙላ ከምዝነበረ ንጋዜጣ ተዛሪባ ነይራ።