እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ሴራሊዮን፡ ጁሊየስ ማዳ ፕረዝደንታዊ ቃለ መሓላ ኣብ ሆቴል ፈጺሙ
ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ሴራሊዮን ኮይኑ ዝቐረበ ጁሊየስ ማዳ ባዮ መረጻ ሴራሊዮን ድሕሪ ምዕዋቱ ንቃለ መሓላ ናብ ሆቴል ከይዱ።
እዚ ነበር ወተሃደራዊ መራሒ ብዝተወሰነ መልክዑ ነታ ሃገር ኣብ 1996 መሪሑዋ'ዩ።
ብጁሊየስ ብጸቢብ ኣፈላላይ ዝተስዓረ ሳሙራ ካማራ ግና፡ እቲ ኣካይዳ ዘይስሩዕ ከምዝነበረ ብምግላጽ ናብ ቤት ፍርዲ ከይደ ነቲ ዉጽኢት ክብድሆ'የ ኢሉ።
ጁሊስ ባዮ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ ተዓዋቲ ከምዝኾነ ብወግዒ ምስተነግረ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልአ'ዩ ቃለ መሓላ ኣብ ሆቴል ፈጺሙ።
"እዚ ወጋሕታ ሓዱሽ ምዕራፍ'ዩ" ዝበለ ጁሊየስ "ህዝቢ እዛ ዓባይ ሃገር ሓድሽ ኣንፈት ንምዉሳድ ድምጹ ሂቡ" ኢሉ።
ሓድሽ መራሒ ሴራሊዮን ማዳ ባዮ፡ ካብቲ ዝተዉሃበ ድምጺ ትሕቲ 52 ሚኢታዊት ረኺቡ'ዩ ተዓዊቱ።
"ኣያ ዲሞክራሲ" ዝብል መጸዉዒ ካብ ደገፍቱ ዝረኸበ ወዲ 53 ዓመት ጁሊየስ፡ እታ ሃገር ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ዝመርሐሉ እዋን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ዝበጽሖ ዝነበረ'ዩ።
ፕረዚደንት ሴራሊዮን ዝነበረ ኤርነስት ባይ ኮሮማ ክልተ ዙርያ (10 ዓመት) መሪሑ'ዩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።
ጁሊየስ ማዳ ባዮ ኣብ ሕሉፍ መረጻ እታ ሃገር ብኮሮማ ተስዒሩ ምንባሩ ጸብጻባት የዘኻኽሩ።