ማሌዥያ ን"ስኑዕ ዜናታት" ክሳብ 10 ዓመት ክትፈርድ ትዳሎ ምህላዋ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ማሌዥያ "ስኑዕ ዜና" ንምክልኻል የኽእል ዝበሎ ሓድሽ ሕጊ ኣርቂቑ። እቲ ሕጊ ጥፍኣተኛታት ክሳብ 10 ዓመት ክቕፅዑ ይገብር።
ናይ ሓሶት ዜናታት ዝዘርግሑ ኣካላት ክእሰሩ ወይ ድማ ክሳብ 128 ሽሕ ዶላር ክቕፅዑ ይድንግግ። ምናልባት እውን ክልቲኡ መቕፃዕቲ ብሓንሳብ ክፍረዶም ይኽእል።
እቲ ረቂቕ ሕጊ ቅድሚ'ቲ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ዝካየድ መረፃ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ቀሪቡ'ሎ።
ርእይቶ ወሃብቲ ተቓውሞታት ንምዕምፃዕ ቅድሚ መረፃ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ ተቓውሞ ኣስሚዖም።
መንግስቲ እታ ሃገር ዘዳለዎ ረቂቕ ሕጊ "ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ሓሶት ዜና፣ ሓበሬታ፣ መረዳእታን ፀብፃብን" ክብል ን"ስኑዕ ዜና' ትርጉም ሂቡ።
ኮነ ኢሎም ነዚኦም ዝፈጥሩ፣ ዘቕርቡ፣ ዘሕትሙ፣ ዘከፋፍሉን ተመሳሰልቲ ተግባራት ዝፍፅሙ ብገበን ይኽሰሱ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ማሌዥያ ይኹን ኣብ ደገ ኣብ ዘለው ተፈፃሚ ከምዝኸውን ተገሊፁ። ወፃእተኛታት'ውን ኣብ ዘየለዉሉ ክፍረዶም ይኽእል።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







